ትግበራ መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ንክመሓየሽ ኣብ መንጎ ኮሰመኢን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ዘሎ ምትእስሳር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ
ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ድሕንነቶምን ሰብኣዊ ክብሮምን ብዝሓለወ መንገዲ ብዘላቒነት ንምጥያሽ ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ምትእስሳርን ምትሕብባርን ይሓትት
ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕን ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ውሳነ ትርጉም ዘለዎም ተሳትፎ ንኽህልዎምን ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሐበራዊ ፃዕሪ ኣገዳሲ እዩ
ትልሚታትን ኣፈፃፅማን ዘላቒ መፍትሒ ኣብ ፍቓድኝነት፣ ድሕንነት፣ ሰብኣዊ ኽብሪን ሙሉእ ተሳትፎን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ
ስደተኛታት፣ ሓተቲ ዕቑባን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲን ዘጋጥምዎም ዝተሓላለኹ ዕንቅፋታት ንምፍታሕ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ዘእተወ ናፃ ግልጋሎት ሕጊ ድጋፍ ምሃብ የድሊ
ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒን ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃን ተሳትፎ ተመዛበልቲ ዉሽጢ ዓዲ ምርግጋፅ ይግባእ