ብዋና ኣማኻሪ ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ዝተመርሐ ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ካብ ዕለት 10 ክሳብ 13 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ (KNCHR) ከተማ ናይሮቢ ስትራቴጂካዊ ናይ ተሞክሮ ልውውጥ ዑደት ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ናይ ተሞክሮ ልውውጥ ዑደት ካብ ክልቲኤን ሃገራዊ ትካላት ዝተውፃፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓን ቴክኒካዊ ክኢላታትን ዝተሳተፉሉ ስሩዕ መዘናዊ ምይይጥ እንትኸውን ዋና ዓላማኡ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ላዕለዋይ ብርኪ ( A- status) ዘለወን ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት (NHRIs) ዝህሉ ትካላዊ ምትሕብባርን መዘናዊ ምምህሃርን ንምጥንኻር እዩ፡፡




እቲ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝተኻየደ ናይ ተሞክሮ ልውውጥ ምይይጥ ክልቲኤን ትካላት ብዛዕባ ዋና ተግባራተንን ትኹረት ክወሃቦም ዝግባእ ሓደሽቲ ዛዕባታት ሰብኣዊ መሰላትን (emerging human rights) ዝምልከት ዘለው ብሉፅ ኣሰራርሓታት ተሞክሮ ንኽለዋወጣ ዕድል ዝፈጠረ መድረኽ እዩ፡፡ እቲ ምይይጥ ኣብ ሜላታት ክትትልን ምርግጋፅን ኣፈፃፅማ ምኽረ ሓሳባት፣ መፍትሒ መንገዲታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ከምኡ እውን እጃም ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒን ዝብሉ ዛዕባታት ትኹረት ዝገበረ እዩ፡፡ እቲ ልኡኽ ብተወሳኺ እውን ኣብ ከይዲ መረፃ ዝህሉ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ከይዲ ዝተማልአ እዋኑ ዝሓለወ ገምጋም (Universal Periodic Review, UPR) ዝህሉ ተሳትፎን ኣብ ኣፈፃፅማ ስትራቴጂክ ትልሚ ትካላዊ ቅዋምን ድልውነትን ዝምልከቱ ግምገማታት ኣካይዱ እዩ፡፡




ኣብቲ ዑደት ኮሰመኢ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ዘካየዶም ዘይሻራዊነት፣ ተብፃሕነትን ውፅእታዊነትን እቲ ትካል ዘደንፍዕ ዝተማልአ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ብተሞክሮነት ቐርቡ እዩ፡፡ እቲ ልኡኽ ምድንፋዕ ዓቕሚ ዲጅታላውን ግልፂ ካብ ዝኾነ ሓበሬታን ዝግበሩ ምርመራታት ምጥንኻር ከምኡ እውን ተበፃሒ ንምዃን ኣፀጋሚ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ሰባት ናይ ምውካልን ምትእትታው ተንቀሳቓሲ ናይ ቅሬታ መቐበሊ ሜላታትን ትኹረት ገይሩ ካብ ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት ይርከብዎም፡፡ ብተወሳኺ እውን ኮሰመኢ፣ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌዴራልን ክልልን ብምትሕብባር ጎስጓሳዊ ስራሕቲ ብዘላቕነት ምጥንኻር፣ ምስ ኣሰራርሓታትን መዳርግቲ አካላትን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ምሕዝነት ብምጥንኻር ትካላዊ ቁመናኣ ኣብ ምጥንኻርን ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ብመንግስቲ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ኣብ ምምሕያሽን ዕዙዝ ተራ ከምዝተፃወተ ገሊፃ እያ፡፡ ብፍላይ ድማ ኮሰመኢ ምስ ቤት ዕዮ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም (EHRC-OHCHR) ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩናት ዝምልከት ብሓባር ዘውፅእዎ ምርመራዊ ርፖርት ኢትዮጵያ ፖሊሲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒ ንኽተዳልው ዕዙዝ እጃም ከምዝተፃወተ እቲ ልኡኽ ኣስሚርሉ እዩ፡፡




ልኡኽ ኮሰመኢ፣ ኣመራርሓ ኬንያ ኣብ ምስፍሕፋሕን ሓለዋን ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሖ ንዘሎ ስራሕቲ ኣድናቖቱ ገሊፁ እዩ፡፡ ኮሰመኢ ብፍሉይ ትኹረት ካብ ዝሃበትሎም ብሉፃት ተሞክሮታት KNCHR፦ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝቐርብ ናይ ምኽሪ ሰነድ (amicus curiae briefs)፣ ናይ ሕጊ ሓገዝ (legal aid)፣ ናይ ህዝቢ ረብሓ ብዝተማልአ መንገዲ ዝሕልው ሕጊ፣ ንግዲን ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከቱ ኣሰራርሓታት፣ ኣብ ኣብያተ ህንፀታት ንዘጋጥም ምጭንናቓት ንምቕናስ ካብ ምእሳር ወፃኢ ዘለው ናይ ቕፅዓት መማረፂታት ንምትእትታው ዝግበሩ ጎስጓሳት፣ ከምኡ እውን ተኣማኒነት ዘለዎ ኣብ ከይዲ መረፃ ዝትግበር ሰብኣዊ መሰላት ንምክትታል ዝውዕል ዲጂታላዊ ስርዓትን ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እዮም፡፡ ልኡኽ ኮሰመኢ ምስ KNCHR ካብ ዘካየዶ ዘተ ብተወሳኺ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሴክሬታሪያት ፖለቲካ ፓርቲታትን ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃን ሃገረ ኬንያ ዑደት ብምግባር እቶም ትካላት ኣብ ከይዲ ዑደት መረፃ ኬንያ ዘለዎም ግደ መብራህርሂ ተዋሂብዎ እዩ፡፡

ልኡኽ ኮሰመኢ ኣብ KNCHR ዘካየደቶ ዑደት እንትዛዝም ክልቲኤን ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ምትሕብባራተን ዘላቒ ንምግባርን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ሓባራዊ ኣብ ዝኾኑ ዛዕባታት ርክባተን ንምጥንኻርን ድልዋት ከምዝኾና ብምርግጋፅ እዩ፡፡