ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ሶማሊ ኣብ ዝተመረፁ ብመጓሰ ዝመሓደሩ ከባቢታት ብዛዕባ ኣተገባብራ መሰል ትምህርቲ ዝምልከት ብዘካየዶ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ዝተረኸቡ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ምኽክር ብዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ሶማሊ፣ ቢሮታት መስኖን ከባቢታት ቆላን፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፣ ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳታት ዝተውፃፅኡ ተወከልቲ ተሳቲፎም እዮም፡፡



ኣብቲ መድረኽ፥ ኮሰመኢ መሰል ትምህርቲ ብዓለምለኸን ሃገራዊን ማዕቐፋት ሕጊ ዝተውሃቦ ሓለዋ ሓዊሱ ብምርባሕ እንስሳ ኣብ ዝመሓደሩ ከባቢታት ኣተገባብራ እቲ መሰል ዝምልከት ብዘካየዶ ክትትል ዝተነፀሩ ርካቦታት ቀሪቦም ሰፊሕ ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡
ኣብቲ ምይይጥ ዳግመ ህንፀት ብምኽንያት ሓያል ንፋስ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣብያተ ትምህርቲን ምስፍሕፋሕ ዝርግሐ መሰረተ ልምዓትን ከምኡ እውን ናይ መምህራን ፍልጠትን ክእለትን ንምዕባይ ቐፃልነት ዘለዎ ስልጠና ምሃብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ምስፍሕፋሕ ተንቀሳቓሲን ሓዳሪን ኣብያተ ትምህርቲ ሓዊሱ ምስ ኩነታት መነባብሮ ብምርባሕ እንስሳ ኣብ ዝመሓደሩ ከባቢታት ዝጠዓዓሙ ሜላታት ትምህርቲ ምትእትታው ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ ተሓቢሩ እዩ፡፡


ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ብወገኖም ብምርባሕ እንስሳ ዝመሓደሩ ክፋልማሕበረሰብ ዝገጥምዎም ዕንቅፋታት ዘላቒ ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሕ ኣብ ኩሉ ብርኪ ዘለው መንግስታዊ ኣካላት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ብትሕብብር ክሰርሑ ከምዘለዎም ገሊፆም እዮም፡፡
ኣብ ኮሰመኢ ሓላፊት ስራሕ ክፍሊ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ሃዊ ኣስፋው ኣብ ከባቢታት ብምርባሕ እንስሳ ዝመሓደሩ ክፋል ማሕበረሰብመሰል ትምህርቲ ንምርግጋፅ ምስ ኩነታት መነባብሮ እቲ ማሕበረሰብ ክጠዓዓም ምግባርን ተበፃሒነቱ ምርግጋፅን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፀን እየን፡፡ ወሲኸን ድማ ፀገም መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ዕንቅፋታትን ንምፍታሕ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓበራዊ ፃዕሪ ንኽገብሩን መፍትሒ ስጉምቲታት ንኽወስዱን ፃውዒት ኣቕሪበን እየን፡፡