ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ብምትሕብባር ኣብ ፅንሰ ሓሳብ ሰብኣዊ መሰላትን ስግግር ፍትሒን ዘተኮረ ዓውደ መፅናዕቲ ዓቕሚ ምዕባይ ካብ ዕለት 7 ክሳብ 8 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም. ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ላዕለዎት ስራሕ ሓለፍቲ ኣውፃኢ ሕጊ፣ ተርጓሚ ሕጊን ስራሕ ፈፃሚን ኣካላት፣ ተወከልቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል፣ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ፣ ቢሮ ፍትሒ፣ ፖሊስ ኮሚሽን፣ ምምሕዳር ኣብያተ ህንፀትን ካልኦት ሰብመዚ እቲ ክልልን ዝተሳተፍሉ እዩ፡፡

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ፅንሰ ሓሳብን መሰረታዊ መትከላትን ፣ ዓለምለኸን ዞባዊን መሳርሒታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ስልጣን፣ ስራሕቲን ሓላፍነትን ኮሰመኢ ከምኡ እውን ዓለምለኸ፣ ዞባዊን ሃገራዊን መትከላት ስግግር ፍትሒን ኣንፈት ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያን ምይይጥ ዝተገበረሎም ኣርእስቲ እዮም፡፡ ሕድሕድ መመያየጢ ርእሲ ዓሚቕ ዝኾነ ምይይጥ ዝተገበረሎም እንትኸውን እዚ ድማ ተሳተፍቲ ብዛዕባ እቶም ሓሳባት ብዕምቆት ንኽርድኡ ኣኽኢሉ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ ኣድላይነት እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዓቕሚ ምዕባይ ብምንኣድ ተመመሳሳሊ ናይ ዓቕሚ ምዕባይ ስልጠናታት ብዝተማልአን ተበፃሒ ዘይኾኑ ትካላት ብዝሓቁፍን መንገዲ ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ተበፃሒ ንክኸውን ሓቲቶም እዮም፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ብተወሳኺ ድማ ሓለዋን ምስፍሕፋሕን ሰብኣዊ መሰላት ሓበራዊ ፃዕሪ ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝሓትት እዩ ክብሉ ኣፅንዖት ሂቦም ገሊፆም እዮም፡፡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ዝኾና ኽብርቲ ኣስኳል ኣልቦሮ ብወገነንሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ልዕሊና ሕጊ ምርግጋፅን ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚረናሉ እየን፡፡ ወሲኸን ድማ እቲ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ምስ ኮሰመኢ ሓበራዊ ፎረም ትካላት ዲሞክራሲ ንምጥያሽ ብሓባር እናሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር ዓላማኡ ድማ ኣብቲ ክልል ዕቤት ዲሞክራሲ ንምድንፋዕን ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋፅን ምዃኑ ገሊፀን እየን፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ብወገኖም ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት እናተጋደደ ምምፅኡ ብምግላፅ ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ዝኾኑ ዘለው መሰረታዊ ፀገማት ሙሉእ ብሙሉእ ምፍታሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም እዮም፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዝተውሃቡ ጠቐምቲ ሓሳባት ኣብቲ ክልል ዘጋጥሙ ንዘለው ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፍታሕ ተግባራዊ ከምዝኾኑ ተስፋ ከምዘለዎም ዝገለፁ እቶም ዋና ኮሚሽነር ብዋናነት ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ዘላቒ ሰላም ውሑስ ኣብ ምግባር ምዃኑ ብምሕባር ዉሑስ ከባቢ ምፍጣር ንሓለዋን ምርግጋፅን ሰብኣዊ መሰላት ቀንዲ ቅድመ ኩነት እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሃገራዊ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽገብሩ ፃውዒት ብምቕራብ ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒ ብዝምልከት ክልላዊ መንግስታት ግቡኦም ንኽዋፅኡ ኣፅንዖት ሂቦም ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡