ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብዛዕባ መሰል ምውዳብ ዝምልከት ብዕለት 28 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምይይጥ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ካብ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ቢሮ ፍትሒ ክልላት፣ በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፣ ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛ ኢትዮጵያ፣ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ተፎኻኸርቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲን ጋዜጠኛታትን ተሳቲፎም እዮም፡፡
ኣብቲ ምይይጥ ብዛዕባ ናፅነት ምውዳብ ዝምልከቱ ዓለምለኸ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ማዕቐፋት ሕጊ ከምኡ እውን ኮሰመኢ መሰል ምውዳብ ብዝምልከት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ሲዳማ፣ ሶማሊን ትግራይን ብዘከናወኖም ስራሕቲ ክትትል ዝተነፀሩ ርካቦታት ቐሪቦም ሰፊሕ ናይ ሓሳብ ምይይጥ ተገይርሎም እዩ፡፡

ኣብቲ ምይይጥ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ መሰል ምውዳብ ዘለዎም ግንዛበ ትሑት ብምዃኑ ተወዲቦም መሰላቶም ንከይሓቱ ዕንቅፋት ምዃኑ፣ መሰላቶም ኣብ ዝሓትቱ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ምብራር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ፅዕንቶ ዝበፅሖም ምዃኑ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝመሓላለፉ ኽልከላታት ኣብ ናፅነት ምውዳብን ኣብ ሃዋህው ሲቪል ምህዳርን ዝፈጠርዎ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘተሓሳስቡ ተባሂሎም ካብ ዝተልዓሉ ዛዕባታት ዝጥቀሱ እዮም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ብወገኖም ናይ ምውዳብ መሰል ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓለዋ ካብ ዘተገበረሎም ቀንዲ መሰላት ሓደ ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ሰብ ንዝኾነ ዓላማ ብማሕበር ናይ ምውዳብ መሰል ከምዘለዎ ዝተደንገገ ብምዃኑ ንተግባራዊነቱ ምቹው ናይ ሕጊን ናይ ኣሰራርሓን ማዕቐፋት ምፍጣር ከምዝግባእ ትኹረት ሂቦም ገሊፆም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ዳይሬክተር ስራሕ ክፍሊ መሰላት ሲቪልን ፖለቲካን መቅደስ ኣመኑ ናይ ምውዳብ ናፅነት ናይ ዲሞከራሲያዊ ተሳትፎ ዓንዲ ብምዃኑ መንግስቲ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ መረፃ፤ ፖለቲካ ውድባት፣ ሕፁያት፣ መረፅቲን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ብናፅነት ንኽውደቡን ንክሰርሑን ምቹው ኹነታት ክፈጥር ከምዝግባእ ገሊፀን እየን፡፡ ብተወሳኺ ድማ መሰል ምውዳብ ክግደብ/ክኽልከል ዝኽእል ብመሰረት ዓለምለኸ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላት፤ ብሕጊ ብዝተደንገገ፣ ኣድላይን ትመጣጣኒን ኾይኑ እንትርከብ ጥራሕ ክኸውን ከምዝግባእን ነዙይ ተፈፃሚ ንምግባር ድማ ኩሎም ኣካላት ብትሕብብር ክሰርሑ ከምዝግባእን ሓቢረን እየን፡፡