ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣተገባብራ ስግግር ፍትሒ ንምክትታል ኣብ ዘዳለዎ ረቂቕ ማዕቐፍ ክትትል ዘተኮረ ካብ ዕለት 13 ክሳብ 17 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ግንዛበ መዕበዪ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኮሰመኢ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ንምክትታል ዘለዎ ትካላዊ ዓቕሚ ድልውነት ንምጥንኻር ዓላማ ዝገበረ እንትኸውን ካብ ዋና ቤት ዕዮ ኮሰመኢን ካብ ኣብያተ ፅሕፈት ከተማታትን ዝተውፃፅኡ ሰብሞያ ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ምድላውን መፈፀሚ ትልሚን ተዛዚሙ ናብ ተግባር ዝተኣተወ እንትኸውን ከይዲ ስግግር ፍትሒ ንጉዱኣት ማእኸል ዝገበረ፣ ሓቛፋይን ዓለምለኸ መመዘኒታትን ሰብኣዊ መሰላት ዘማልአ ምዃኑ ንምርግጋፅ ዘይሻራዊ ክትትል ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ብመንፅር እቲ ዝተዳለወ ረቂቕ ማዕቐፍ ክትትል ኮሰመኢ ናይቲ ከይዲ ተኣማኒነትን ፍትሓዊነትን ከምኡ እውን ምስ ሕገ መንግስቲን ዓለምለኸ መትከላትን መመዘኒታትን ሰብኣዊ መሰላት ዝስማዕማዕ ምዃኑን ብቀረባ ንምክትታል ከምዝሕግዝ ኣብቲ ምይይጥ ተገሊፁ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ትሕዝቶ ብሄራዊ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ፣ ክሳብ ሐዚ ዝተሳለጡ ተግባራት፣ እጃም ኮሰመኢን ኣብ ረቂቕ ማዕቐፍ እቲ ክትትልን ከምኡ እውን መትከላትን መመዘኒታትን እቲ ክትትል ብዝምልከት ሰፊሕ ትንታነን ምይይጥን ኣካይዶም እዮም፡፡ ብተወሳኺ እውን ዝተፈላለዩ ስራሕ ክፍሊታት ኮሰመኢ ዘሳልጥዎም ስልቲታት ክትትል፣ ኣቀራርባ ፀብፃብ፣ መዐቀኒታትን ኣመልከቲን ተሞክሮ ብምልውዋጥ እቲ ረቂቕ ማዕቐፍ ክትትል ብዝበለፀ ንኽምዕብል ኣኽኢሉ እዩ፡፡

አብ ኮሰመኢ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዋና ኮሚሽነር ቃልኪዳን ደረጀ ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ብዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ኮሰመኢ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዘለዎ ዘይሻራዊ እጃም ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ምጥንኻር ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፀን እየን፡፡ ብተወሳኺ ድማ እቲ ረቂቕ ማዕቐፍ ክትትል ተልእኾ ኮሰመኢ ብዝግባእ ዝገልፅን ናይ ኩሎም ስራሕ ክፍሊታት ተሞክሮን ፍልጠትን ዝሓቖፈን ከምኡ’ውን ኣብቲ ከይዲ ተመሳሳሊን ብሓበሬታ ዝተደገፈን ክትትል ንምስላጥን ፀብፃብ ንምቕራብን ዘኽእል ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲበን እየን፡፡