ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብዛዕባ ስግግር ፍትሒ ዝምልከት ናይ ኽልተ መዓልቲ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ካብ ዕለት 8 ክሳብ 9 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ንሰራሕተኛታት ስራሕ ክፍሊ ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ አሳሊጡ እዩ፡፡ እቲ ስልጠና ብፍሉይ ናይቲ ስራሕ ክፍሊ ኣሰለጠንቲ ኣብ መዳይ ስግግር ፍትሒ ዘለዎም ፍልጠት ንምዕባይ ተሓሲቡ ዝተዳለወ እንትኸውን፤ ሰራሕተኛታት እቲ ስራሕ ክፍሊ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ንኸሰልጥኑ ዘኽእሎም ልዑል ሞያዊ ብቕዓት ንኽዓትሩ ዓላማ ገይሩ ዝተዳለወ እዩ፡፡

ሰራሕተኛታት ስራሕ ክፍሊ ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ እንታይነት ፅኑዕ ስግግር ፍትሒ ሓፈሻዊ ፍልጠት ዘለዎም ብምዃኑ እዚ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ብዋናነት ትኹረት ዝገበረሉ ኣብ መንጎ መሰረታዊ ፍልጠት ንድፈ-ሓሳብን ኣብ ኣተገባብራን ስግግር ፍትሒ ዝህሉ ጉድለት ኣብ ምምላእን ከይዲ ኣብ ውሽጢ ከባቢያዊ ነባራዊ ዓውዲ ስግግር ፍትሒ ኣተገባብራ ዝተሓላለኹ ጉዳያት ዘተኮረ እዩ፡፡ ናይቲ ስልጠና ዋና ዋና ዓውደ ርእሲ ድማ ዓውዳዊ ኩነታትን ስምምዕ ሰላም ከይዲ ስግግር ፍትሒን ከመይ ከምዝሃንፁ ምትንታን፣ ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ምእላሽ ሓቂ፣ ኣብ ከይዲ ምሕረትን ምርግጋፅ ተሓታትነትን ማእኸል ዝህሉ ምትእስሳርን ርክብን ንምርዳእ ዝተፈላለዩ ሞዴላት ስግግር ፍትሒን መመርመርን ዘካተተ እዩ፡፡ እቲ ስልጠና ባህላዊ ናይ ፍትሒ ስርዓታት ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝህልዎም እጃምን ምስ ካልኦት ከይዲታት ፍትሒ ዝተኣሳሰርሉ ኩነታትን ዘተኮረ ምይይጥ ዝሓቖፈ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ትካላት ሃገራዊ ሰብኣዊ መሰላት ከይዲ ስግግር ፍትሒ ኣብ ምክትታልን ጥሕሰታት ኣብ ምምዝጋብን ዘለዎም ፍሉይ እጃም ተሓቢሩ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ድማ ኮሰመኢ ኣብ መዳይ ስግግር ፍትሒ ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ዘተኮረ ምይይጥ ዝተገበረ ኮይኑ እቲ ኮሚሽን ንመንግስቲ ምኽሪ-ሓሳባት ብምቕራብ፣ ንተሳትፎ ጉዱኣት ኣካልን ንጥሕሰት መሰል ተጋለፅቲ ክፋል ሕብረተሰብን ኣብ ከይዲ ስትራቴጂክ ምድላው ሓገዝ ብምግባር፣ ምስ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝተተሓሓዙ እናተኸታተለ ምኽሪ ሓሳባት ኣብ ምሃብን እናሰርሖም ንዘሎ ስራሕቲ መብርሂ ተዋሂቡ እዩ፡፡ ናይ ኮሰመኢ ቐፃሊ ስራሕቲ ዝኾኑ ምድላው መረዳእታ ሓበሬታ ጉዱኣት (victims database)፣ ብዛዕባ ጊዚያዊ ካሕሳ (interim reparations) ፅንዓት ምግባር፣ ከምኡ እውን ኣብ ስግግር ፍትሒ ከም ተመዛበልቲ፣ ደቂ ኣንስትዮን ጉዱኣት ኣካልን ዝበሉ ዓውዲታት ትኹረት ዝህሉ ምትእስሳርን ዘተኮሩ መምርሒታት (toolkits) ምድላውን ዝኣመሰሉ ስራሕቲ መብርሂ ተዋሂቡ እዩ፡፡

እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ኣሰለጠንቲ ስልጠና ብሰብ ሞያ ዝተመርሑ መብርሂታትን ናይ ተሞክሮ ልውውጥን ዝሓቖፍን ተሳተፍቲ ብንቕሓት ዘሳትፍን ሜላ ስልጠና ዝተኸተለ እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ስልጠና ዝተሓላለኹ ንድፊ ሓሳባት ምስ ሃገራዊ ኩነታት ብምዝማድ ብተግባራዊ ልምምድን ጉጅለኣዊ ምይይጥን ዝተሓገዘ እዩ ነይሩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ብዛዕባ ዓለምለኸ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ሰፊሕ ግንዛበ ንምዕባይ ከም ኡጋንዳ፣ ጋምቢያን ደቡብ ኣፍሪካን ዝበላ ሃገራት ልምዲታት ንፅፅራዊ ትንተና ተገይሩ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና፣ ብዛዕባ ሜላታት ስርዓተ ፆታን ተሳትፎ ጉዱኣት ኣካልን ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ ስግግር ፍትሒ ዝከናወኑሉ ኣካይዳታት፣ ማሕለኻታት ኣፈፃፅማ ስግግር ፍትሒ፣ ከምኡ እውን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ ከይዲ ዝህልዎም እጃም ተምያይጦምሉ እዮም፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና እቶም ኣሰለጠንቲ ነዞም ዝተሓላለኹ ርዕሰ ጉዳያት ንዝተፈላለዩ ስልጠንቲ ንምስልጣን ዘኽእል ድልውነት ረኺቦም እዮም፡፡ እዚ ተግባር ስራሕተኛታት ኮሰመኢ አብ ዓለምለኸን ኣህጉራዊን መዐቀኒታት ስግግር ፍትሒ ዝህልዎም ግንዛበ ዘዕቢ ኾይኑ ኮሰመኢ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒ ውሽጢ ዝህልዎ ሓፈሻዊ እጃም እውን ዘጠናኽር እዩ፡፡