ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ካብ ዋና ቤት ዕዮን ከተማ ኣብያተ ፅሕፈትን ንዝተውፃፅኡ ሓደሽቲን ነባራትን ኪኢላታት ክትትልን ምርመራን ኣብ መምርሒ ኣቀባብላ ጥርዓንን ካብ ናፃ ምንጪታት ሓበሬታ ብምእካብ ምርመራ ናይ ምክያድ (Open-Source Intelligence (OSINT)) ሜላታትን ዘተኮረ ተኸታታሊ ናይ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠናታት ኣብ ከተማ ኣዳማ ሂቡ እዩ፡፡
ኮሰመኢ ምስ ፕሮጀክት ኤክስፒዳይት ጀስቲስ (Project Expedite Justice – PEJ ብምትሕብባር ኣብ መምርሒ ኣቀባብላ ጥርዓን ካብ ዕለት 12 ክሳብ 15 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዝተዳለወ ስልጠና ሓደሽቲ ኣብ ዝተኸፈቱ ኣብያተ ፅሕፈት ኮሰመኢን ኣብ ነባር ኣብያተ ፅሕፈትን ንዝተቖፀሩ ሓደሽቲ ኪኢላታት ኽእለቶም ንኸዕብዩ ዓላማ ዝገበረ እዩ፡፡ እቲ ስልጠና ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ሓዊሱ ብኮሚሽነራት ዘፈርን ካልኦት ስራሕ ሓለፍቲ እቲ ክፍልን ዝተውሃበ እዩ፡፡



ኣብቲ ስልጠና ዓላማ መምርሒ ኣቀባብላ ጥርዓን፣ ስነ ስርዓት ኣተሓሕዛ ጥርዓን፣ ከይዲ ቅድመ ምርመራ፣ ኣጠቃቕማ ስርዓት ምሕደራ ኤሌክትሮኒክ ኬዝ (Electronic Case Management) ከምኡ’ውን ኣብ ዙርያ ምድላው ሪፖርት ሰፊሕ ምይይጥን ተግባራዊ ልምምድን ተገይሩ እዩ፡፡
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ኣብ ዝገበርዎ ንግግር፤ ኪኢላታት ኣድላዪ ዘበለ ፍልጠትን ክእለትን ብምዕባይ ስራሕቶም ብብቕዓት ንኽዋፅኡ እቲ ስልጠና ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ብምሕባር፤ ሰልጠንቲ ዝረኸብዎ ዓቕሚ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ብዝግባእ ኣብ ስራሕ ንኸውዕልዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡


ብተወሳኺ ድማ ብምኽንያት ፀገም ፀጥታ ብኣካል ተረኺብካ ምርመራ ምግባር ኣፀጋሚ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝፍፀሙ ጥሕሰት መሰላት ብዲጂታላዊ ኣገባባት ንምፅራይ ዘኽእል ስልጠና ካብ ዕለት 26 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 6 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ጊዜ ብኽልተ ዙር ተዋሂቡ እዩ፡፡ በዚ ድማ ሜላታት ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ ካብ ናፃ ምንጪታት፣ ሓለዋ ድሕንነት ዲጂታላዊ ሓበሬታ፣ ትንተና ማሕበራዊ ሚዲያ፣ መሰረታዊ መትከላት ምርግጋፅ ሓቃዊነት ትሕዝቶታት ሚዲያ፣ ሜላታት ምልላይ ምስሊን ቪዲዮን ኣቀማምጣ ቦታን ጊዜን (Geolocation and Chrono-location) ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ምርመራ ዘጋጥም ቀጥታዊ ዘይኮነ ጉድኣት ስነ-ልቦና (Vicarious Trauma) ዙርያ ሰፊሕ ግንዛበ ተፈጢሩ እዩ፡፡


ተሳተፍቲ ኪኢላታት እቲ ስልጠና ኣብ ዲጂታላዊ ምርመራ ዝነበሮም ክእለት ብዝግባእ ከምዘዕበየሎም ብምግላፅ፤ ኮሚሽኑ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ዓቕሚ ምዕባይ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ሓቲቶም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር ትምህርቲን ስልጠናን ሰብኣዊ መሰላት በዳሳ ለሜሳ ብወገኖም ብመሰረት መምርሒ ስርዓት ኣቀባብላ ጥርዓን ኮሰመኢ ዲጂታላዊ ምርመራ ዋና መሳርሒ ምዃኑ ገሊፆም እዮም፡፡ ወሲኾም ድማ ሰብ ሰራሕ ብልሒ (Artificial Intelligence)ን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣብ ዝተበራኸትሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓቃዊነት ዲጂታል ሐበሬታ ምፅራይ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ እዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሰልጠንቲ ዝረኸብዎ ፍልጠትን ክእለትን ናብ ተግባር ብምሽራፍ ኣብ ስራሕቲ ዲጂታላዊ ምርመራ ብንቕሓት ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡