ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 30 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይዚ በጀት ዓመት መበል 3ይ ርብዒ ዓመት ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ስግግር ፍትሒን ዘተኮሩ ተኸታተልቲ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠናታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሳሊጡ እዩ፡፡

ናይ ኣረጋውያን ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ እውን እቶም መሰላት ንምኽባርን ንምስፍሕፋሕን ዘኽእሉ ክእለታት ብዝምልከት ካብ ዕለት 2 ክሳብ 6 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ካብ ክልላት ሲዳማን ደቡብ ኢትዮጵያን ንዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓን ኣባላትን ማሕበራት ኣረጋውያንን ጡረተኛታትን ኣብ ከተማታት ሃዋሳን ኣርባ ምንጭን፤ ካብ ዕለት 14 ክሳብ 17 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ንኣባላት ማሕበር ኣረጋውያን ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ፤ ከምኡ እውን ካብ ዕለት 21 ክሳብ 24 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ንኣባላት ማሕበራት ኣረጋውያንን ጡረተኛታትን ክልል ሃረር ኣብ ከተማ ሃረር ስልጠናታት ተዋሂቦም እዮም፡፡ እቶም ስልጠናታት ንሰልጠንቲ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝፍፀሙ ጥሕሰት መሰላት ሪፖርትን ጎስጓስ ንምክያድን ክእለታቶም ንኸዕብዩ ዘኽእሉ ናይ ተግባር ልምምድ ዝሓቖፉ እዮም፡፡

ብተወሳኺ ድማ፣ ኮሰመኢ ኣብ ዙርያ ሓለዋ መሰላት ህፃናት ንኣባላትን ስራሕ ሓለፍትን ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዕለት 10 ክሳብ 13 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ስልጠና ሂቡ እዩ፡፡ እዚ ስልጠና ህፃናት ኣብ ገበን ዝኾኑ ነገራት ተሳቲፎም ወይም ተጎዳእቲ ኣብ ዝኾኑሉ ኹነታት ክኽበሩሎም ዝግብኡ መሰላት ብዝምልከት ኣብቲ ስልጠና ንዝተሳተፉ ኣካላት ግንዛበ ንምዕባይ ዓላማ ዝግበረ ኾይኑ እቶም ተሳተፍቲ ብጉጅለኣዊ ምይይጥ ምኽንያት ተሞክሮ ተለዋዊጦም እዮም፡፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ካብ ኣብያተ ዕዮ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ባሌ ዞንን ሮቤ ከተማን ንዝተውፃእፅኡ ኪኢላታት ካብ ዕለት 30 ለካቲት ክሳብ 4 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዘተኮረ ስልጠና ኣብ ከተማ ሮቤ ተዋሂቡ እዩ፡፡

ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ተሃነፅቲ ብዝምልከት ምስ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለያ አብያተ ህንፀታትን ቢሮ ፍትሒን ንዝተውፃእፅኡ ስራሕ ሓለፍቲ ካብ ዕለት 9 ክሳብ 13 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሆሳእና፤ ከምኡ እውን ካብ ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ክልል ኣምሓራን ካብ ሽዱሽተ ኣብያተ ህንፀትን ንዝተውፃእፅኡ ኣባላት ፖሊስ ቤት ህንፀት ካብ ዕለት 21 ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ኮምቦልቻን ስልጠና ተዋሂቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ናይ ኣባላት ፖሊስ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምኽባርን ክኽበር ናይ ምግባርን ዓቕሚ ንምዕባይ ዓላማ ዝገበረ ስልጠና ኣብ ገበን ምክልኻልን ምርመራን ዓውዲ ንዝተሰማረዩ ኣባላት ፖሊስ ካብ ዕለት 9 ክሳብ 13 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሆሳእና፣ ካብ ዕለት 16 ክሳብ 20 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ደሴን ካብ ዕለት 14 ክሳብ 17 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቢሾፍቱን ስልጠናታት ተዋሂቦም እዮም፡፡ እቶም ስልጠናታት ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተሃነፅቲን ተጠርጠርቲን ብዝምልከት ፍልጠት፣ ኣመለኻኽታን ክእለትን ንምዕባይ ዝሕግዙ እዮም፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ ኮሰመኢ ብዛዕባ መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝምልከት ካብ ክልላት ሃረርን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ንዝተውፃእፅኡ ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ግልጋሎት ንዝህቡ ትካላት ስራሕ ሓለፍቲ ካብ ዕለት 30 ለካቲት ክሳብ 4 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሃረርን ከተማ ኣሶሳን ስልጠና ሂቡ እዩ፡፡ ተሳተፍቲ እቶም ስልጠናታት ኣብቲ ስልጠና ዝረኸብዎ ፍልጠትን ክእለትን ሰብኣዊ መሰላት ብምጥቃም ተግባራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊፆም እዮም፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ፣ ኮሰመኢ ምስ ፕሮጀክት ኤክስፒዳይት ጀስቲስ (Project Expedite Justice) ብምትሕብባር ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝህልዎም እጃም ንኽዋፅኡ ዘኽእል ከይዲ ስግግር ፍትሒ ንምጥንኻር ካብ ክልል ኣምሓራ ንዝተውፃእፅኡ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ካብ ዕለት 4 ክሳብ 8 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዳማ ስልጠና ሂቡ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ እውን ንኪኢላታት ኪነ ጥበብን ስነ ጥበብን ኣብ ከይዲ ኣተገባብራ ስግግር ፍትሒ ዝህልዎም እጃም ብዝምልከት ካብ ድሬዳዋን ሃረርን ንዝተውፃእፅኡ ኪኢላታት ካብ ዕለት 26 ክሳብ 30 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ድሬዳዋ፣ ከምኡ እውን ካብ ጅማን ኣጋሮን ንዝተውፃእፅኡ ኪኢላታት ካብ ዕለት 16 ክሳብ 20 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ስልጠናታት ተዋሂቦም እዮም፡፡

ብተወሳኺ እውን ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላትን ስግግር ፍትሒን እጃም መናእሰይ ንምዕባይ ቅድም ክብል ናይ ኣሰለጠንቲ ስልጠና ዝወሰዱ ኣመራርሓ ማሕበራት መናእሰይ ከተማ ሶዶ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 30 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ን40 ኣባላታቶም ኣብ ከተማ ሶዶ ስልጠና ሂቦም እዮም፡፡ ኮሰመኢ መትከላትን እሴታትን (ክብሪታትን) ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ እውን ዓለምለኸን ሃገራውን መሰላት ጉዱኣት ኣካል ብዝምልከት ካብ ዕለት 22 ክሳብ 24 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ንኣመራርሓን ኣባላትን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኣብ ከተማ ጋምቤላ ግንዛበ መዕበዪ ስልጠና ተዋሂቡ እዩ፡፡