ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ጅማን ምብራቕ ሃረርጌን ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ጅማ ኣብ አፈፃፅማ ዘላቒ መፍትሒ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ብዝምልከት ዘካየዶም ስራሕቲ ክትትል፣ ርካቦታትን ምኽሪ ሓሳባትን ብዝምልከት ብዕለት 11 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ጅማ መድረኽ ጎስጓስ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ መድረኽ ኮሰመኢ ብዘካየዶም ክትትላት ዝተነፀሩ ብሉፃት ተሞክሮታት፣ ማሕለኻታትን መሰላት ተመዛበልቲ ዝኽበሩሉን ኩነታት ንምግምጋምን ተሞክሮ ልውውጥ ንምጥንኻርን ዓላማ ዝገበረ እዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ካብ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ካብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ፣ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝዳንት ኦሮሚያ፣ ካብ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ፣ ተወከልቲ ዞባታትን ወረዳታትን ቡሳ ጎኖፋ ክልል ኦሮሚያ፣ ትካላት መንግስቲ፣ መዳርግቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ተወከልቲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ከምኡ’ውን ተወከልቲ ጅማን ምብራቕ ሃረርጌን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ ምይይጥ ኣብ ከተማ ጅማ ንነዊሕ ዓመታት እናነበሩ ዝፀንሑ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ መስርሒ ቦታ መንበሪ ገዛ፣ ገዛን መተሓዳደሪ ሓገዛትን ብምሃብ ተመዛበልቲ ናብ ስሩዕ መነባብሮ ንኽሰጋገሩ ምግባር ሓዊሱ ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ ብሓበራዊ ፃዕሪ ትካላት መንግስቲ፣ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን መዳርግቲ ኣካላትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብብሉፅ ተሞክሮነት ቀሪቦም እዮም፡፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብቲ ዞባ ምስ ዳግም ምጥያሽ፣ ተበፃሕነት መሰረታዊ ግልጋሎታት፣ መሰረተ ልምዓትን ማሕበራዊ ውህደትን (social inclusion) ብዝተሓሓዝ ዝረኣዩ ጉድለታት ብምፍታሕ እቲ ከይዲ ብዝተማልአ ኩነታት ንኽጠናኸር ምግባር ከምዘድሊ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ፡፡


ብተወሳኺ ድማ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ጅማን ዞባ ምብራቕ ሃረርጌን ዘለው ተመዛበልቲ ዘላቒ መፍትሒ ንምሃብን መሰላት ተመዛበልቲ ንምኽባርን መዳርግቲ ኣካላት ብፍቓደኝነት ዝተመስረተ፣ ድሕንነቱ ብዝተሓለወን ሰብኣዊ ኽብሪ ማእኸል ብዝገበረን መንገዲ ንምስራሕ ቁርፀኝነቶም ኣረጋጊፆም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር ትምህርትን ስልጠናን በዳሳ ለሜሳ ኣብ ዝገበርዎ ንግግር መሰላት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስምምዕ ካምፓላን ብኻልኦት ኣግባብነት ብዘለዎም ዓለምለኸ መትከላትን መዐቀኒታትን ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ክሕለዉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡ እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ ኮሰመኢ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ተመዛበልቲ ብምክትታል፣ ኣፈፃፅማ ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባት ብምግምጋምን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባርን ዘላቒ መፍትሒ ተመዛበልቲ ንኽረጋገፅ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም እዮም፡፡