ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ኣሰኮ  ብዕለት 23ን 24ን ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ክትትልን ምርመራን እናካየደ ይርከብ። ኮሰመኢ እዚ መግለፂ ዕላዊ ክሳብ ዝተገበረሉ ጊዜ ኣብቲ ከባቢ ብኣካል ብምርካብ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ካብ ጥቕዓት ዝበፀሖምን፣ ካብ ስድራኦምን ፣ ከምኡ’ውን ካብ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት ብዘተኣካኸቦም  ሓበሬታታትን መረዳእታታትን ንባዕሉ “ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ” እናበለ ዝፅውዕ “ብተለምዶ ኦነግ ሸኔ” ዝበሃል ዕጡቕ ጉጅለ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ሓይሊታት ፀጥታ መንግስቲን ሲቪል ሰባትን ከምዝተቐተሉ፣ ነበርቲ ምምዝባሎም፣ ናይ ንብረት ዕንወትን ቓፀሎን ምብፃሑ ከረጋግፅ ክኢሉ እዩ።

ኮሰመኢ ኣብ ከይዲ ምርመራኡ ከምዘረጋገፆ ኣብ ወረዳ ኣሰኮ ቀበሌ ደለተ ጫፋ ኣካባቢ ካብ ዕለት 22 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ናይ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ስለዝተርኣየ ናይቲ ከባቢ ሚሊሻታትን ኣባላት ፖሊስ ፀረ ደባይ ውግእ ኦሮሚያን ኣብቲ ቦታ ስለዝተዋፈሩ ኣብ መንጎ “ብተለምዶ ኦነግ ሸኔ” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዕጡቕ ሓይሊን ዝተዋፈሩ ሓይሊታት ፀጥታን ማእኸል ጎንፂ ክፍጠር ክኢሉ እዩ። ነቲ ጎንፂ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ሰባት እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ብዘብፀሖ መጥቃዕቲ ካብቲ ከባቢ ክወፅኡ ዘይክኣሉ ሃይሉ ንጉሴን ሰሙ ኣባይነህን ዝተብሃሉ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ከፍቲ ኣብ ምጉሳይ ዝነበረ ባቶ ሰፈኖ ዝተብሃለ ሰዓቢ እምነት እስልምናን ብሓፈሻ ናይ ሰለስተ ሲቪል ሰባት ህይወት ክሓልፍ ክኢሉ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ ቑፅሮም ንጊዚኡ ብውዕሊ ኣብ ዘይተፈለጡ ገዛውቲ ቓፀሎ ከምዝበፅሐ፣ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ጠለታ ምቅፃሉ፣ ኣብ ሓፁር መስጊድ ቢዮ ቡጠሌ ሸኽ ሙስጠፋ ጉድኣት ምብፅሑ፣ ኣብ ጥዕና ጣቢያ ድለተ ጫፋ፣ ኣብ መንበሪ ገዛውቲን መደብራት ንግዲን ብኣልማሚት ስርቂ ክፍፀም ምኽኣሉን ከምኡ ድማ ልዕሊ 2,650 ዝግመቱ ነበርቲ እቲ ከባቢ ምምዝባሎምን ኮሰመኢ ኣረጋጊፁ እዩ። 

ኮሰመኢ ኣብ ዞባ ኣርሲ ኣብ ወረዳታት ሽርካ፣ ኣሰኮ፣ ኣንቆሎ ዋቤ፣ ጉናን መርቲን ብዕጡቓት እናተፈፀሙ ዝነበሩ መጥቃዕቲታት ድጋሚ ንከይኽሰቱ ግቡእ ጥንቃቐ ንኽግበርን ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ ጥቕዓት ተሓታትነት ንኽረጋገፅን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከተሓሳስብ ፀኒሑ እዩ። መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ተመሳሰልቲ መጥቃዕቲታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን  ምቕፃሎም ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ዝጀመሮም ፃዕሪታት ብምጥንኻር ብቕልጡፍ ሓይሊታት ፀጥታ መንግስቲ ንክዋፈሩን ሰላምን ድሕንነትን ብምርግጋፅ ነበርቲ ናብ ዝተረጋግዐ ህይወቶም ናይ ምምላስ ሓላፊነቱን ክዋፃእ ይግባእ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኩነታት ብመንግስትን ብካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን  ብምኽንያት እዞም መጥቃዕቲታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ነበርቲ እኹል ዝኾነ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽቐርብን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ብዘላቕነት ዝጣየሹሉን ኹነታት ንኽመቻቸው ኮሰመኢ የተሓሳስብ። ብኻልእ መዳይ ኮሰመኢ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ዝርዝር ምርመራዊ ሪፖርት ዕላዊ ከምዝገብር እናፍለጠ፤ ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ብዝግባእ ከየረጋገፁ ዝወሃቡ ብይናትን ጎስጓሳትን ተወሳኺ ጎንፂታት ንኽፍጠር ናይ ምልዕዓል ዕድሎም ዝሰፍሐ ብምዃኑ ኩሎም ትካላት ይኹኑ ግለሰባት ካብዚ ተግባሮም ንኽቑጠቡ ፃውዒት የቕርብ።

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ኮሰመኢ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ንዝበፅሐ ሞትን መጉዳእትን ልዑል ሓዘን ከምዝተሰምዖ ብምግላፅ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘተሓሳስቡ ምዃኖም ገሊፆም እዮም። እቶም ዋና ኮሚሽነር ወሲኾም ድማ መንግስቲ እቲ ኩነታት ንምርግጋዕን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ዝወሰዶም ተበግሶታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ብምሕባር ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ስግኣት ፀጥታ ዘለዎም ከባቢታት ኹሉ እኹል ሓይሊ ፀጥታ ብምምዳብን ተመሳሰልቲ መጥቃዕቲታት ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ብምስራሕን ናይ ነበርቲ ብህይወት ናይ ምንባር፣ ኣካላዊ ድሕንነትን ንብረት ናይ ምውናንን መሰላት ናብ ሓደጋ ንኸይጋለፁ ንኽሰርሕ፣ ግቡእ ምርመራ ብምክያድ ተሓታትነት ናይ ምርግጋፅን ጉዱኣት ንዝበፀሖም ኣካላት ንምክሓስን ንምጥያሽን ዘኽእሉ ስጉምቲታት ንኽወስድ ከምኡ እውን ኹሎም ኣካላት ዝተፈጠሩ ፀገማት ካብ ምኹናን  ብዝሓለፈ ካብ ዘለዓዕሉ መግለፂታትን ተግባራትን ንኽቑጠቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።