ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ብቴክኒካዊ ድጋፍ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዴንማርክ (DIHR) ብዝረኸቦ ሓገዝ ኣብ ኩነታት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኮረ ካብ ዕለት 25 ክሳብ 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ዓቕሚ ምዕባይን ምኽክርን ኣሳሊጡ እዩ። እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ተወከልቲ መንግስታዊ ትካላት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ትካላት ትምህርቲን ምርምርን ከምኡ’ውን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላትን ዘሳተፈ እዩ።

ተሳተፍቲ እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ለውጢ ከባቢ ኣየር ብመንፅር ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ርድኢት ንምጥንኻር፣ ኮሰመኢ ንክትትል ዝጥቀመሎም ምስ ከባቢ ኣየር ዝተተሓሐዙ ማዕቐፋት ሕጊን ፖሊሲን ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ንመትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዝሓቖፉ ምዃኖም ንምግምጋም፣ ብለውጢ ከባቢ ኣየር ዘጋጥሙን እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉን ፅልዋታት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ሳዕቤን ንምዝታይ ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመስረቱ ተግባራዊ ስጉምቲታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምጥንኻር ዘኽእሉ መንገድታት ንምእላሽ ዝዓለመ እዩ፡፡

ኣብቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ካብ ኮሰመኢ፣ DIHR፣ ኢንስቲትዩት ሜትዎሮሎጂ ኢትዮጵያ፣ ኢኮ-ጄስቲስ ኢትዮጵያ፣ መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (NANHRI) ከም ኡ’ውን ዲፌንድ ዘ ኢንቫይሮንመንት ዝተውፃፅኡ ክኢላታት መብርሂታት ዘቕረቡ አንትኾን ኣብዞም ዝቐረቡ ሓሳባት መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመስረተ ስጉምቲ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ተሞክሮ ኣብ ምልውዋጥን ኣንፈት ዝሕብሩን ምይይጣት ተኻይዶም እዮም፡፡ እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ለውጢ ኣየር ንብረትን ግቡኣት መንግስትን፣ ፅልዋታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ኢትዮጵያ፣ ርክብ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣብ መሰላት ዝተመርኮሰ ስጉምቲ ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ተሓታትነትን ካሕሳን ምስ ለውጢ ከባቢ ኣየር ብዝተሓሓዝ ንዝበፅሑ ጉድኣታት፣ ናይ ህዝቢ ረብሓ ዘኽብሩ ከባቢያዊ ክሲታት ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ መስርሓት መሰረት ዝገበረ ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሒን ንምስፍሕፋሕ ዘለዉ ዕድላትን ዝኣመሰሉ ዓውዲታት ዝዳህሰሰ እዩ፡፡

ድርቂ፣ ዉሕጅ፣ ዘይስሩዕ ዝናብ፣ ምህማም መሬት ከምኡ’ውን ምስ ኣየር ንብረት ዝተተሓሓዙ ሕማማት ብደረጃ ሃገር ኣብ መነባብሮታት ብቐጥታ ሓደጋ የንፀላልዩ ኣለው፡፡ እዞም እናተጋደዱ ዝኸዱ ዘለዉ ቅልውላዋት ናይ ምንባር መሰል፣ ምግቢ፣ ማይ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ዘላቒ መነባብሮ ከምኡ’ውን ብቑዕ መፅለሊ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምጥቃም ዕንቅፋት ዝፈጥሩ እንትኾኑ ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፍጠር ምምዝባል እውን ሓደጋኡ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ካብቶም ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዝቐረቡ ጠቐምቲ ሓሳባት ሓደ ኮሰመኢ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ ምቕራብ ገምጋምን ምርግጋፅን (validation) እዩ፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ድማ ኣብ ርካቦታት እቲ ገምጋምን ምኽሪ ሓሳባትን ርኢቶኦም ዝሃቡ እንትኾን ኣብ መሰላት ዝተመስረተ ስጉምቲ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ መንገድታት እውን ዘትዮም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ምስ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተተሓሓዙ ብድሆታት ሰብኣዊ መሰላት ንምፍታሕ ኣብ ዝውሰድ ዝጉምቲ ለውጢ ከባቢ ኣየር ሓቛፋይ ክኸውን ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ መንግስታዊ ትካላት፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ትካላት ትምህርቲ፣ መዳርግቲ ልምዓትን በቲ ኩነታት ዝተጎድኡ ማሕበረሰብን ዘሎ ቀፃሊ ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ እዮም፡፡ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕጊታት፣ ፖሊሲታትን ናይ ምልማድ ስጉምቲታትን (adaptation measures) ከባቢ ኣየር ከምኡ’ውን ተበግሶታት ፋይናንስ ከባቢ ኣየር ብዝበለፀ ምውሃድ ከምዘድሊ እውን ኣስሚሮምሉ እዮም፡፡

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ተረኺቦም መደረ ዝገበሩ ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ህይወት፣ መነባብሮን መሰረታዊ መሰላትን ደቂ ሰባት ብዘብፅሖ ቀጥተኣዊ ፅልዋ ምኽንያት ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ዘጋድድ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ እዮም፡፡ ኣውፃእቲ ፖሊሲን መዳርግቲ ኣካላትን ኩሎም ሃገራዊ መፍትሒታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ መትከላትን መበቆላትን ሰብኣዊ መሰላት ዝሓቖፉ ምዃኖም ከረጋግፁ ኣዘኻኺሮም እዮም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኮሰመኢ ሕጋዊ ገምጋሙ ብምዝዛም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ማእኸል ዝገበረ ምሕደራ ከባቢ ኣየር (climate governance) ንምስፍሕፋሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝገብሮ ዘሎ ርክብን ምትሕብባርን ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ፡፡ ብተወሳኺ እውን ኮሰመኢ ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝበፅሑ ፅልዋታት ሰብኣዊ መሰላት ብምክትታል፣ ንህዝቢ ግንዛበ ናይ ምጭባጥን ዓቕሚ ምዕባይን ከምኡ’ውን ብለውጢ ከባቢ ኣየር ዝያዳ ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ንምክልኻልን ኣብ ኢትዮጵያ ንመሰላት መሰረት ዝገበረ ስጉምቲ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምስፍሕፋሕን ዝገብሮ ጎስጓሳት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ፡፡