ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ካብ ዕለት 2 ክሳብ 4 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ “ሲምፖዚየም ካብ መርትዖ ናብ ፅልዋ፡ ምሕንፃፅ ዕሸላት-ተኮር ፖሊሲታትን መደባትንትን ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ” ተሳቲፉ እዩ፡፡ እቲ ሲምፖዚየም ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ተመራመርቲ፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ መንግስታዊ ትካላት፣ ጉጅለታት መናእሰይን መዳርግቲ ልምዓትን ዝተሳተፉሉ ኮይኑ ኩነታት ህይወትን ድሕንነትን ዕሸላት ብፍላይ ድማ ኣዋልድ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ንምምሕያሽ ኣብ መንጎ መርትዖታት፣ ፖሊሲታትን ትግበራ መደባትን ዘሎ ክፍተት ንምፅባብ ዘተኮረ እዩ፡፡

ኣብቲ ሲምፖዚየም ብዓለምለኸ ሓበሬታ ፆታን ዕሸልነትን (Gender and Adolescence Global Evidence (GAGE)) ፅንዓታዊ ፅሑፍ ዝቐረበ እንትኸውን እቲ ፅሑፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂን ዘይምዕሩይነትን ኣብ ልዕሊ ጥዕናን ድሕንነትን ዕሸላትን መናእሰይን ዘስዐቦ ፅልዋ ንምፍታሽ ዝተኻየደ ናይ ነዊሕ እዋን መፅናዕቲ (longitudinal research) መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡ ተወሳኺ መድረኽ ዘተ ድማ ንዕሸላት ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ (ዳታ) ዝዳህሰሰ እንትኸውን፤ ብፍላይ ተሞክሮታትን ተጓንፎታትን ዕሸላት ንምርዳእን ውፅኢታዊ ስጉምቲ ንምውሳድን ብፍላይ አጥዓታት፣ ትሕቲ ዕድመ መርዓ፣ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ (FGM) ከምኡ’ውን መናእሰይ ኣብ ሲቪልን ፖለቲካዊን ጉዳያት ዝህልዎም ተሳትፎን ብዝምልከት እጃም እቲ መፅናዕቲ ዝዳህሰሰ እዩ፡፡
ኮሰመኢ ኣብ እዋን ኩናትን ድሕሪ ኩናትን ዘጋጥሙን ንመናእሰይ ዝፀልዉን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምላሽ ኣብ ምሃብ እጃም ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ምይይጥ እውን ተሳቲፉ እዩ፡፡ እቲ ምይይጥ ኣብ መርትዖታት ዝተመስረተ፣ ተበፃሓይ ዝኾነን ምስ ወድዓዊ ኩነታት መነባብሮ መናእሰይ ዝተኣሳሰሩን ፖሊሲታትን መደባትን ብህፁፅ ምትግባር ከምዘድልዩ ኣስሚሩሉ እዩ፡፡ ኮሰመኢ ብኩናት ኣብ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብዘካየዶም ስራሕቲ ክትትልን ምርመራን ዝረኸቦም ርካቦታት ዘካፈለ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ኩናትን ሕውየትን ንዕሸላትን ንመናእሰይን ፍሉይ ጠመተ ምሃብ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ እቲ ኮሚሽን ተሓታትነትን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ንምርግጋፅ ህዝባዊ መድረኻት ኣብ ምድላው ዘለውዎ ተሞክሮታታ ኣካፊሉ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እውን ብGender and Adolescence Global Evidence (GAGE) ዝቐረበ ፅሑፍ ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረቦ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ሐበሬታ መዋቕራዊ ፀገማት ንምእላይን ፖሊሲታት ንምምሕያሽን ዝሕግዝ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ፡፡

እቲ ሲምፖዚየም ንኮሰመኢ ካብቲ ዞባን ካብቲ ዞባ ወፃኢን ምስዝመፁ ተመራመርቲ፣ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ተወከልቲ መናእሰይን ተሞክሮታት ንምልውዋጥ ዓቢይ ዕድል ዝፈጠረ መድረኽ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ብመርትዖ ዝተደገፈ ሓበሬታ ካብ ምእካብ ብዝሓለፈ ናብ ብመርትዖ ዝተመርኮሰ ተግባራዊ ስጉምቲ ንምስግጋር ዝተወሰደ ተሞክሮ ቀዳሚ እዩ፡፡ እቶም ምይይጣት ምርምራዊ ርካቦታት ምስ ጎስጓሳት፣ ክትትል፣ ምርመራ፣ ህዝባዊ መድረኻትን ምኽሪ ሓሳባትን ብምትእስሳር ዝርከቡ መርትዖታት መሰረት ዝገበሩ ርካቦታት ኣብ ህይወት መናእሰይ ርኡይ ምምሕያሻት ንክመፅኡ ዝሕግዙ እዮም፡፡
እቲ ሲምፖዚየም ዕሸላት-ተኮር ፖሊሲታትን መደባትን ቅልጡፍ ምላሽ ዝህቡ፣ ሓቖፍትን ኣብ መርትዖ ዝተመስረቱን ምዃኖም ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ትካላት ምርምር፣ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ መንግስታትን ማሕበረሰባትን ዝህሉ ምትሕብባር ምጥንኻር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ እዩ፡፡ ኮሰመኢ እቶም ዝተቐሰሙ ተሞክሮታት መሰላት ዕሸላትን መናእሰይን ብፍላይ ድማ ብኩናት ኣብ ዝተሃሰዩን ተጋለፅቲን ዝኾኑ ከባቢታት ንምስፍሕፋሕን ንምሕላውን ንዝገብሮ ፃዕሪ ከምዝሕግዞ ገሊፁ እዩ፡፡