ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ካብ ሰነ 2017 ዓ.ም. ክሳብ ሰነ 2018 ዓ.ም. ዘሎ እዋን ዝሽፍን

መበል 5ይ ሃገራዊ ፀብፃብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ሪፖርት ኮሰመኢ ኣብ ዘበን እቲ ፀብፃብ ብዘካየዶ ክትትልን ምርመራን ሰብኣዊ መሰላት ብዘተኣኻኸቦ ሓበሬታን መረዳእታን እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ እዋን ዝተመዝገቡ ኣዎንታዊ ምዕባለታትን ዘተሓሳስቡ ኮይኖም ዝቐፀሉ ጉዳያት ምስ ምኽሪ ሓሳባት የመላኽት። ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ነቲ ሪፖርት ብዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም እዮም።