ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉራጌ እትርከብ ከተማ እንሴኖን ኣብ ዞባ ጉራጌ እትርከብከተማ ወልቂጤን ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ወረዳታት ካብ ዕለት 6 ክሳብ 27 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ብማእኸል ተንቀሳቓሲ መቐበሊ ጥርዓን ዝተቐበሎም ጉዳያት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ብዕለት 4 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሆሳዕና መድረኽ ምይይጥ ኣካይዱ እዩ።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኮሰመኢ ብመርሃ ግብሪ ተንቀሳቓሲ ጥርዓን መቐበሊ ካብ ዝተቐበሎም ኣጠቓላሊ 323 ጥርዓናት ማእኸል ቅልጡፍ መልሲ ዘድልዮም ጉዳያት መፍትሒ ንክረኽቡ ተገይሩ እዩ። ካብቶም መፍትሒ ክረኽቡ ዝተገበሩ ብማእኸላይ ካብ 11 ክሳብ 25 መዓልቲታት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቐረቡ ተአሲሮም ዝፀንሑ ተጠርጠርቲ ንኽፍትሑ፤ ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ንክቐርቡ ከምኡ’ውን ምስ ስድራ ናይ ምርኻብን ምስ ግልጋሎት ሕክምና ብዝተሓሓዝ ዝቐረቡ ጥርዓናት መልሲ ንክረኽቡ ምግባር ዝጥቀሱ እዮም። ብተወሳኺ ድማ ኮሰመኢ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምቅርራብ ብምስራሕን ጎስጓሳት ብምክያድን ዘመዝገቦም ዝበረታትዑ ውፅኢታትን ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን ቐሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ።


ኣብ ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣማኻሪ ጉዳያት ሕጊ ርእሰ ምምሕዳር ኑርዬ ሱሌ ኮሰመኢ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ክልል ብዘከናወኖም ክትትላት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት መበገሲ ብምግባር ዝሃቦም ምኽረ ሓሳባት ተግባራዊ ብምግባር ዝተረኸቡ ዝበረታትዑ ምዕባለታት ብምጥቃስ በዚ ብተንቀሳቓሲ መርሃ ግብሪ መቐበሊ ጥርዓን መሰረት ገይሩ ዝተውሃቡ ተወሰኽቲ ምኽሪ ሓሳባት ተፈፃሚ ንክኾኑ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ መምርሒ ሂቦም እዮም።

ኣብ ኮሰመኢ ሪጅናል ዳይሬክተር ስራሕ ክፍሊ ክትትልን ምርመራን ሰብኣዊ መሰላት በጋሻው እሸቱከምዝገለፁዎ ኮሰመኢ ብመርሃ ግብሪ ተንቀሳቓሲ መቐበሊ ጥርዓን ንማሕበረሰብ ቅሩብ ብምዃን ግልጋሎት ተበፃሒነቱ ንምስፋሕ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ እቲ ክልል ዝቐረቡሉ ምኽሪ ሓሳባት ተግባራዊ ብምግባር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ፃዕሪታቱ ብዝበለፀ ንኸጠናኽርን መዳርግቲ ኣካላት ድማ ንምርግጋፅ ሓለዋን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰላት ሓላፊነቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።