ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረ ግልጋሎት ኣወሃህባ ብዝምልከት ኣብ ከይዲ ቕብብል እቲ ኮሚሽን ንዝሳተፉ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት ብዕለት 17ን 18ን ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግንዛበ መዕበዪ መድረኽ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፣ ፌዴራል ፖሊስ፣ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሲቪልን ሙያዊን ማሕበራት ተረኺቦም እዮም፡፡





ኣብቲ መድረኽ ብዛዕባ ስልጣንን ተግባርን ኮሰመኢ፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንሰብኣዊ መሰላት መሰረት ዝገበረ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ እሴታትን መትከላትን ከምኡ እውን ኣብ ኣሰራርሓ ቕብብል ኮሰመኢ ዘድሃበ ገለፃን መብርሂን ተዋሂቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ንጉዱኣት ቕልጡፍ ስርዓት ኣወሃህባ ድጋፍ ንምትግባርን ምስቶም ትካላት ዘሎ ርክብ ምትእስሳር ቕብብል ስሩዕ ንምግባርን ዓላማ ገይሩ ኣብ ዝተዳለወ ረቂቕ ሰነድ ስምምዕ እውን ምይይጥ ተገይሩ እዩ፡፡ እቲ ሰነድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈፀሞም ጉዱኣት ንኮሰመኢ ጥርዓኖም ድሕሪ ምቕራቦም ናፃ ድጋፍ ሕጊ፣ ናይ መፅለሊ፣ ናይ ጥዕና፣ ማሕበራዊን ስነ-ልቦናዊን ግልጋሎት ብምሃብ ድጋፍ ክረኽቡ ዝኽእሉሉ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ዘኽእል ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ፡፡




ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ስርዓት ቕብብል ክማልኡ ብዛዕባ ዝግብኦም ናይ ኣሰራርሓን መምርሒታት ሓለዋ ሐበሬታን፣ ዝተፈላለዩ ቅጥዒታት፣ መለክዒታት ፅፈት ግልጋሎት መቆፃፀሪን ክትትልን፣ ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታትን ተሓባበርቲ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላትን ኣድላይነት ምድላው ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ምይይጥ ተገይሩ እዩ፡፡




ተሳተፍቲ ብወገኖም ቅድሚ ሐዚ ብቕብብል ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን ዘጋጠሙዎም ዋና ዋና ማሕለኻታት ዝሓበሩ እንትኸውን፤ ብኮሰመኢ ዝትግበር ስሩዕ ስርዓት ቕብብል ብምጥቓም ሰብኣዊ መሰላት ማእኸል ዝገበረ ግልጋሎት ንምሃብ ከምዝተስማዕመዑ ገሊፆም እዮም፡፡

ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ኣብ ዝገበርዎ ንግግር ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ኣካላት ፍትሒን ትካላት ፈፃሚ መንግስትን ንጉዱኣት ኣወሃህባ ፍትሒን ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፆም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ክሳብ ሎሚ እናተተግበረ ዝፀንሐ ኣሰራርሓ ትሕብብርን ቕብብልን ድሌት ተገልገልቲ ንምምላእ ዘፀግም ከምዝነበረ ብምሕባር ኮሰመኢ ዝጀመሮ ስሩዕ ስርዓት ቕብብል ግቡእን እዋናዊን ብምዃኑ ንጉዱኣት ግልጋሎት ዝህቡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ማእኸል ዝገበረ ግልጋሎት ንምሃብ ግቡኦም ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡