ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዓንቀፅ 33(2) እቲ ስምምዕ ኣፈፃፅማ ስምምዕ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝከታተል ዘይሻራዊ ማዕቐፍ ክትትል (Independent Monitoring Mechanism) ኣብ ምስያም ኣድላይነት ብዝምልከት ብዕለት 14 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምይይጥ ኣሳሊጡ እዩ፡፡


እቲ ዝውደብ ማዕቐፍ ክትትል ኣብቲ ስምምዕ ዝተሓቖፉ መሰላት ንምስፍሕፋሕ፣ ንምሕላውን ንምክትታልን ከሳልጦም ዝግብኡ መሰረታዊ ተግባራት ማእኸል ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩን ሓደሽቲ ዝረቐቑን ሕጊታት ከምኡ’ውን ፖሊሲታትን ምስ መመዘኒታት እቲ ስምምዕ ክስማዕምዑ ምግባር፣ ንመንግስታዊ ኣካላት ቴክኒካዊ ድጋፍን ዓቕሚ ምዕባይን ስልጠናታት ምሃብ፣ ብጥቆማ ወይም ብዓርሰ ተበግሶ ፀብፃባት ምውፃእን ጥርዓናት ጥሕሰት መሰላት ምምርማርን ይርከብዎም፡፡ ብተወሳኺ እውን ጉዳያት ናብ ቤት ፍርዲ ምትሕልላፍ፣ መመዘኒታት ኣፈፃፅማ ሕጊ ብምውፃእ ፅልዋታት ምግምጋምን ከምኡ’ውን ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ዘለው ተሞክሮታት ዝሓዘ ህንፀት ሓበሬታ መዝገብ (data base) ዝሓቁፍ ምዃኑን ተገሊፁ እዩ፡፡ እቲ ዝስየም ዘይሻራዊ ማዕቐፍ ክትትል ብመሰረት ዓንቀፅ 33(1) እቲ ስምምዕ ካብ ዝስየሙ ንተፈፃሚነት እቲ ስምምዕ ንከተግብሩ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ኣካላት ዝተፈለየን ካብ ኣፈፃሚ ኣካል ናፃ ዝኾነን ማዕቐፍ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ አብ ትሕቲ ኣካል ኣፈፃሚ ሕጊ ኣፈፃፅማ ስምምዕ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ዝከታተል ኣካል ዝህሉ ኣፈላላይ፣ ከይዲ ኣሰያይማን ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮን ቀሪቡ እዩ፡፡ኮሰመኢ ናይቲ ስምምዕ ዘይሻራዊ ዝኾነ ማዕቐፍ ክትትል ከሳልጦም ትፅቢት ዝግበረሎም ስልጣንን ተልእኾን ብመሰረት መጣየሺ ኣዋጅ ቑፅሪ 210/1992 (ኣዋጅ ቑፅሪ1224/2012 ከምዝተመሓየሸ) ዘማልእ ብምዃኑ እቲ ስምምዕ ናይ ምስፍሕፋሕ፣ ናይ ምሕላውን ምስ ክትትል ዝተሓሓዙ ስራሕቲ ብፍላይ ድማ ብመዳይ ስራሕ ክፍሊ መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን እናተሳለጡ ይርከቡ፡፡ ብመሰረት ስምምዕ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓንቀፅ 33(2) ዝስየም ናፃ ዝኾነ ማዕቐፍ ክትትል ከማልኦም ትፅቢት ካብ ዝግበሩ ጭቡጣትን ናይ ተግባርን ናፅነትን ኮሰመኢ ዘማልአን ብመትከላት ፓሪስ መሰረት ብርኪ ‘A’ ኣፍሊጦ ዝተውሃቦ ብምዃኑ ሓዱሽ ትካል ምጥያሽ ከየድለየ ኮሰመኢ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ንምክትታል ዘይሻራዊ ዝኾነ ማዕቐፍ ክትትል ኮይኑ ንክስየም የኽእሎ እዩ፡፡


ኣብቲ ምይይጥ መድረኽ ስልቲታት ኣሰያይማን ኣወዳድባን ከምኡ’ውን ስልጣንን ሓላፍነትን እቲ ማዕቐፍ ክትትል ብዝምልከት ብመሰረት ዓንቀፅ 33 (1) እቲ ስምምዕ ኣፈፃፅማ ነቲ ስምምዕ ንኽከታተል ዝተሰየመ ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ከምኡ’ውን ብመሰረት ዓንቀፅ 33(2) ብዘይሻራዊነት ተኸታታሊ ንክስየም ትፅቢት ዝግበረሉ ማዕቐፍ ማእኸል ዘሎ ትካላዊ እጃም ብግልፂ ብምፍላይ ድግግም ስራሕ ምትራፍ ከምዝግባእ ተሓቢሩ እዩ፡፡ እዚ ማዕቐፍ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ካልኦት መዳርግቲ ትካላትን ብኣባልነት ኮሚቴ ዝሓቕፈሉ ኩነታት ምምችቻው ኣገዳሲ ብምዃኑ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን መሓመድ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋፅ ኣፈፃፅማ መንግስቲ ብዘይሻራዊነት ዝከታተል ናፃ ኣካል ምህላው ሓደ መንገዲ ብምዃኑ ኮሰመኢ ኣፈፃፅማ ስምምዕ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘይሻራዊነት ዝከታተል ኣካል ኮይኑ ክስየም ምግባር ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ብዝለዓለ ብርኪ ንምርግጋፅ ይሕግዝ ክብሉ ገሊፆም እዮም፡፡ ወሲኾም ድማ ኮሰመኢ ብመጣየሺ ኣዋጁ ዝተውሃቦ ሰብኣዊ መሰላት ምስፍሕፋሕ፣ ምሕላውን ምክትታልን ስልጣንን ሓላፍነትን ንክዋፃእ ዘኽእል ኣብቲ ምይይጥ ዝተበፅሐ ሓበራዊ ምርድዳእን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ተፈፃሚ ንምግባር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡