ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ማሕበር ዓይነ ስውራን ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምትሕብባር ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉራዊ ቻርተር መሰላት ደቂ ሰባትን ህዝብታትን ኣፍሪካ ፕሮቶኮል መሰላት ጉዱኣት ኣካል (ፕሮቶኮል ጉዱኣት ኣካል ኣፍሪካ) እተፅድቐሉ ኩነታት ንምስላጥ ዓላማ ዝገበረ ምይይጥ ብዕለት 15 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ኣባላት ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓዊሱ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ፣ ካብ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ ኢኒስቲትዩት ሕጊን ፍትሒን.፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ማሕበራት ጉዱኣት ኣካልን ካብ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዝተውፃፅኡ ስራሕ ሓለፍቲን ኪኢላታትን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ ምይይጥ ፕሮቶኮል ጉዱኣት ኣካል ኣፍሪካ ብዝምልከት ትሕዝቶ፣ ዓላማን ንሓለዋ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ዝህልዎ ኣበርክቶን ብስፍሓት ቀሪቡ ምይይጥ ተገይርሉ እዩ፡፡ እቲ ፕሮቶኮል ምስ ስምምዕ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ሓድነትን ኣፈላላይን ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ንጉዱኣት ኣካል ዝህቦ ሓለዋን ብዝርዝር ቀሪቡ እዩ፡፡ ካብ ፍሉያትን ሓደሽቲን ትሕዝቶታት እቲ ፕሮቶኮል ጉድኣት ኣካል ዘለወን/ዎም ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ህፃናትን ኣረጋውያንን ኣብ ውሽጢ ንጥሕሰት መሰላት ዘጋልፅ ኩነታት ምዃኖም ኣፍልጦ ዝሃበ ምዃኑ፣ ኣብ ልዕሊ ጉዱኣት ኣካል ዝፍፀሙ በደላትን መጥቃዕቲታትን ከምኡ’ውን ካብ ማሕበረሰብ ምግላልን ዝመሳሰሉ ድሑራት ተግባራት ንምውጋድ ዝሕግዝ ሰፊሕ ማዕቐፍ ሓለዋ ዝዘርግሐ ምዃኑ፣ ብመንፅር ምርካብ ፍትሒ ባህላዊ ኣብያተ ፍርዲ ዘለዎም እጃም ከምኡ’ውን ምስማዕ ንዝተስኣኖም ሰባት መሰረታዊ ናይ መረዳድኢ መማረፂ ዝኾነ ምልክት ቋንቋ ብዝተሓሓዝ ሓበራዊ እምነትን እሴትን (deaf culture) ኣፍልጦ ዝህብ ምዃኑ ዝጥቀሱ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ጉዱኣት ኣካል ንድሕንነትን ተመሳሳሊ ቁጠባዊ ጉድኣትን ዘለዎም ተጋላፃይነት፣ ኣድላይነት ማሕበረሰባዊ ክንክንን ግልጋሎት ድጋፍን ኣፍልጦ ዝሃበ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ፡፡

እቲ ፕሮቶኮል ኣህጉራውን ሃገራውን ወድዓዊ ኩነታት ዘገናዘበ ማዕቐፍ ሕጊ ዝዝርግሕ እንትኸውን ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ጉዱኣት ኣካል ንምምላእ ንዝግበሩ ፃዕሪታት ንምጥንኻር፣ ጎዳእቲ ልማዳዊ ተግባራት ንምክልኻልን አድልዎኣዊ ኣመለኻኽታን ኣሰራርሓን ንምምሕያሽ ዝሕግዙን እታወታት ዝሓዘ ምዃኑ ጥቕሙ ልዑል ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ አብቲ ፕሮቶኮል ዝተቐመጡ ዘገድዱ ረቛሒታት ንምምላእን ኣተገባብራኦም ንምክትታልን ካብ ዘለው ነባር ትካላት ብተወሳኺ ካልእ ሓዱሽ ፈፃሚ ኣካል ምጥያሽ ዝሓትት ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ኢትዮጵያ እቲ ፕሮቶኮል ብምፅዳቕ ክትረኽቦ እትኽእል ጥቕሚ ዝለዓለ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ንምጥንኻር፣ ማዕቐፋት ሕጊን ፖሊሲን ንምምሕያሽ ከምኡ’ውን ሓቛፋይ ልምዓትን ተሳትፎን ንምብርትታዕ እቲ ፕሮቶኮል ብቕልጡፍ ክፀድቕ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋዊያንን መሓመድ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ተግባር ዘለው ማዕቐፋት ሕጊ ከምዘለው ኮይኖም ምፅዳቕ ፕሮቶኮል ጉዱኣት ኣካል ኣፍሪካ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ንምኽባር ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ ኢሎም፡፡ ወሲኾም ድማ እቲ ኣህጉራዊ ስምምዕ ንምፅዳቕን ናብ ስራሕ ክኣቱ ንምግባርን ተሳትፎን ቆራፅ መትከልን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝሓትት ብምዃኑ ዝተጀመሩ ዕማማት ብምዝዛም እቲ ፕሮቶኮል ብቕልጡፍ ንምዝዛም ዘኽእሉ ተግባራዊ ስጉምቲታት ንክውሰዱ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡

ፕሮቶኮል ጉዱኣት ኣካል ኣፍሪካ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዕለት 28 ጃንዋሪ 2018 (ዕለት 20 ጥሪ 2010 ዓ.ም.) ዝፀደቐ ኮይኑ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብዕለት 5 ጁላይ 2024 (ዕለት 28 ሰነ 2016 ዓ.ም.) ጀሚሩ እቲ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ ኩለን ፈረምቲ ሃገራት ግዱድ ንክኾንን ናብ ተግባር ንኽኣቱን ዘኽእል ቑፅሪ ፈራሚ ሃገራት ብምርካቡ ናብ ስራሕ ኣትዩ እዩ፡፡ እቲ ኣህጉራዊ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ብ17 ሃገራት ዝፀደቐ እንትኸውን ኢትዮጵያ ነዚ ስምምዕ ክሳብ ሐዚ ኣየፅደቐቶን፡፡