ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ መድረኽ ትሕብብር ኮሰመኢ-ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን አባላት ንኡስ ጉጅለ ስግግር ፍትሒን ብምትሕብባር ጉዱኣት ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ሓቂ ናይ ምፍላጥ መሰልን ኽብሪ ዓለምለኸ መዓልቲ ንምዝካርን ብዕለት 15 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ምይይጥ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ምይይጥ መዳርግቲ ኣካላት ብዛዕባ እቲ ርእሰ ጉዳይ ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይ ዝዓለመ ኾይኑ ጉዱኣት፣ ክኢላታት ስግግር ፍትሒ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ማሕበራት ጉዱኣትን ተወከልቲ መዳርግቲ ልምዓትን ዝተሳተፉሉ እዩ፡፡





ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ ሓቂ ናይ ምፍላጥ መሰል ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዘለዎ እጃም፣ ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ተሓታትነትን ዕርቅን ዝህልዎ ጥቕሚ፣ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ድጋሚ ንከይፍጠሩ ኣብ ምክልኻል ዝህልዎ ኣበርክቶ ከምኡ’ውን ጉዱኣትን ተጋለፅቲ ክፋል ማሕበረሰብን ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ክህልዎም ብዛዕባ ዝግባእ ተሳትፎን መብርሂ ቀሪቡ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይድሉ እዩ፡፡
ብተወሳኺ እውን፡ “Confronting the Truth” (ንሓቂ ምግጣም) ዝተሰነየ ፀብፃቢ ፊልሚ ንምርኢት ዝቐረበ ኾይኑ እቲ ፊልሚ ብዛዕባ ኣድላይነትን እጃምን ኮሚቴ ኣተኣላላሺ ሓቂ፣ ኣብ መንጎ ፍትሒን ተሓታትነትን ዘሎ ርክብ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ከይዲ ፃዕሪ ኣለሻ ሓቂ ተሳትፎ ጉዱኣትን ካብ ጉድኣት ዝሓወዩ ሰባትን ካልኦትን ዝዳህሰሰ ንቐፀልቲ ምይይጣት ከም መበገሲ ኮይኑ ዘገልግል እዩ፡፡






ተሳተፍቲ እቲ ምይይጥ ኣብ ማዕቐፍ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከይዲ ኣለሻ ሓቂ ብዛዕባ ዝህልዎም ሓላፊነት ብዝርዝር ዘልዐሉ እንትኸውን፤ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ግልፅነት ዘለዎ፣ መልሲ ወሃባይን ብመትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኮዘን ክኸውን ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ንጉዱኣትን ማሕበራት ጉዱኣትን ናይ ህይወት ልምዲን ድሌታትን መሰረት ዝገበረን፣ ሓቛፋይ ኣሳታፊን ዝኾነ ኣቀራርባ ምሕንፃፅ ኣድላዪ ምዃኑ ንተሞክሮኦም ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ጉዱኣት ኣብ ከይዲ ምሕንፃፅ ከይዲታት ፍትሒ ንቑሕ ተሳትፎ ክህልዎም ምግባርን ከምዘድሊ ትኹረት ሂቦም ሓቢሮም እዮም፡፡

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ቃልኪዳን ደረጄ ኣብ ኣተኣላልሻ/ምውፃእ ሓቂ ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ከይዲ ዕርቂ ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎ ብምሕባር እዚ ድማ ናይ ጉዱኣት ናይ ህይወት ተሞክሮ ኣፍልጦ ንኽረክብ፣ ክሕደት ንኸይህሉን ተሓታትነት ንኽረጋገፅን ከምዝሕግዝ ገሊፀን እየን፡፡ ብተወሳኺ ድማ ስግግር ፍትሒ ቅድም ክብል ንዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሕጊ መልሲ ካብ ምሃብ ብዝሓለፈ፣ ኽብሪ ናይ ምምላስን ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ምትእምማን ምፍጣርን ምዃኑ ብምሕባር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ንጉዱኣት ዝግበሩ ሓገዛትን ናይ ግንዛበ መዕበይ ምይይጣትን ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኮሰመኢ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ገሊፀን እየን፡፡