ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ሰብ ሰራሕ ብልሒን (Artificial Intelligence) ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዕድላትን ፈተናታትን ብዝብል ኣርእስቲ ንስራሕተኛታት እቲ ኮሚሽን ግንዛበ መዕበዪ መድረኽ ዕለት 20 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ መድረኽ ምስፍሕፋሕ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝህልዎ ፅልዋ ብዝምልከት ግንዛበ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ እንታይነት ሰብ ሰራሕ ብልሒ፣ ናይቲ ቴክኖሎጂ ፈጣን ዕቤት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ክህልዎ ዝኽእል ኣወንታውን ኣሉታውን ፅልዋ፣ ከምኡ እውን ንምኽባርን ሓለዋን ሰብኣዊ መሰላት ዝህልዎ ጥቕሚ መብርሂ ተዋሂቡሉ ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩሉ እዩ፡፡

ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ሓለዋ ኩለመዳይ መሰላት ደቂ ሰባት ንምምሕያሽን ንምጥንኻርን ርኡይ እጃም ዘለዎ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ብፍላይ እቲ ቴክኖሎጂ ከም ጉዱኣት ኣካል፣ ኣረጋውያን፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ፍልሰተኛታት፣ ስደተኛታትን ካልኦት ተጋለፅቲ ክፋላት ሕብረተሰብን ንምሕጋዝ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ መፍትሒታት ኣብ ምትእትታውን ኣብ መዳይ ምዕባይ ሓበሬታን ግልጋሎት ተበፃሒነትን ዘለዎ ኣወንታዊ ኣበርክቶን ብመንፅር ተሞክሮ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰፊሕ ዳህሳስ ቀሪቡ እዩ፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ፥ሰብ ሰራሕ ብልሒ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ብዘገናዘበ ኹነታት ኣብ ግልጋሎት ተዘይውዒሉ ኣድልዎ ኣብ ምስፍሕፋሕ፣ ፍትሒ ኣብ ምዝባዕ ከምኡ’ውን ኣብ ሐለዋ ውልቃዊ ሓበሬታን ሓሳብኻ ብናፅነት ኣብ ምግላፅን ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣብ ሓለዋን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰላት ኣሉታዊ ፅልዋ ኣብ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎ ብምዃኑ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ንዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ላዕልዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ስትራቴጂ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ኣሉታውን ኣወንታውን ፅልዋ ብልክዑ ተረድእኻ ኣጠቓቕማኡ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበረ ንክኸውን ዓቕሚ ሰራሕተኛታት እቲ ኮሚሽን ምዕባይ፣ ከምኡ’ውን ትካላዊ ኣሰራርሓ ምስዚ ሓዱሽ ምዕባለ ክስማዕማዕ ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ኣማኻሪ ወሲኾም እንትገልፁ ኮሰመኢ ኣብ መዳይ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ዘተግብሮም ተግባራት ዝሓቖፈ ናይ ሓሙሽተ ዓመት (ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2026-2030) ስትራቴጂክ ትልሚ ኣብ ከይዲ ምድላው ከምዝርከብ ሓቢሮም እዮም፡፡