ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ “ዘንፀባርቕ ዕቤት ትካላት ዳይነትን ዲሞክራሲን ንዝተሳኽዐ ህንፀት ሃገረ-መንግስቲ” ብዝብል ቴማ ብዕለት 24 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘዳለዎ ምኽክር ተሳቲፉ እዩ። ኣብቲ ምኽክር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ፕሪዝዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣይተ ቴዎድሮስ ምሕረት፣ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣይተ ብርሃኑ ኣዴሎ፣ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ፣ ኣካቢት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላት ወርቅ ሃይሉ፣ ዋና ኦዲተር ቤት ዕዮ ፊዴራል ዋና ኦዲተር መሰረት ዳምጤ፣ ዋና ሓላዊት ንብዓት ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ስመኝ ውቤ፣ ሚኒስትራት፣ ናይተን ዝተጠቐሳ ትካላት ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲን ክኢላታትን ከምኡ እውን ፕሬዝዳንትታት ኣብያተ ፍርዲ ክልላት ተሳትፎም እዮም።
ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር መድረኽ፦ ትካላት ዳይነትን ዲሞክራሲን ዕውት ንዝኾነ ህንፀት ሃገረ-መንግስቲ ብፍሉይ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዘሳለጥዎም ናይ ለውጢ ስራሕቲ፣ ዘመዝገብዎም ዓወታትን ናይ ቀፃሊ ኣንፈታት ትኹረትን ቀሪቦም እዮም።
ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ምዕባለታት ዝሓዙ እዋናት ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ ኮሰመኢ ዝምልከት ኣብ ዘቕረብዎ መብርሂ ቅድሚ ለውጢ ኮሰመኢ ነፃን ዘይሻራዊን ሃገራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይነበረ፣ ንመትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዝፃብኡ ሕጊታት እንትርቀቑን ኣብ ስራሕ ክውዕሉ ከለውን ድምፁ ዘየስምዐ፣ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ናይ ዓቕሚ ውስንነት ከምዝነበሮም፣ ዘውፅኦም ዝነበሩ ሪፖርትታት ድማ ብምኽንያት ፅዕንቶ ኣፈፃሚ ኣካል ዘይሻራዊነትን ተኣማኒነትን ዝጎድሎም ከምዝነብሩን ዓመታዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሪፖርት ዘየውፅእን ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም እዮም።

ብተወሳኺ ድማ እቶም ዋና ኮሚሽነር ኣብ ከይዲ ለውጢ ብመሰረት መትከላት ፓሪስ (Paris Principles) ዝተመሓየሸ መጣየሺ ኣዋጅ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣዋጅ ቑፅሪ 1224/2012 ስዒቡ ኮሰመኢ ካብ መንግስቲ ሓዊሱ ካብ ካልእ ዝኾነ ኣካል ነፃን ዘይሻራዊን ትካል ምዃኑ ከምዝተረጋገፀን፤ ንምስፍሕፋሕን ሓለዋን ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ብዝሓሸ መልክዑ ልእኹቶን ሓላፊነትን ክህልዎ ከምዝተገበረን፤ እዙይ መሰረት ብምግባር ድማ ኮሰመኢ ትካላዊ ሃፍቲ ሓይሊ ሰብን ፋይናንስን ምሉእ ብምሉእ ከመሓድር ከምዘኽአሎ እቲ ኮሚሽን ንዝሰርሖም ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ሓለዋን ሰብኣዊ መሰላት ካብ ኢድ ኣእታዊነት እቲ ቤት ምኽሪ ይኹን ካልኦት ትካላት ነፃ ምዃኑ፤ ብቕዓትን ዓቕምን ዘለዎም ኣመራርሓን ሓይሊ ሰብን ምህናፅ ምኽኣሉ፤ ንስራሕ ቕልጥፍና ዝሕግዙ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ኣብ ስራሕ ምውዓሎምን ካብ መንግስቲን መዳርግቲ ትካላትን ዝርከብ በጀት ምውሳኹን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ምዃኖም ሓቢሮም እዮም።

ብመሰረት እዞም ዝተዋደዱ ናይ ለውጢ ስራሕቲ ዝፈጠርዎ ምቹው ኩነታትን ዓቕሚን ኮሰመኢ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ልዕሊ 8000 ጥርዓናት ከምዝተቐበለ፤ ምስ ቤት ዕዮ ላዕለዋይ ኮሚሽን ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም (United Nations Office of the High Commissioner for Human Rights (UNOHCHR) ብምትሕብባር ዘካየዶ ምርመራ ሓዊሱ ልዕሊ 60 ሰፋሕቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ምርመራታት ብምክያድ ሪፖርትታቱ ንዝምልከቶም አካላት ምልኣኽ ምኽኣሉ፤ ምስ UNOHCHR ብሓባር ብምዃን ብዘካየዶ ምርመራ ብዝተውሃበ ምኽሪ ሓሳብ መሰረት ሃገራዊ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ክርቀቕን ክፀድቕን ከምዝተገበረ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ኮሚሽን ብብርኪ ዓለምለኸ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርሓሉ መትከላት ፓሪስ ሙሉእ ብሙሉእ ብምምላእ ብዘይሻራዊነት ስራሕቲ ክሰርሕ ምኽኣሉ፣ ብዘካየዶም ናይ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ተኣማኒነት ዘለዎም ምክትታል፣ ምርመራን ጎስጓስን ከምኡ እውን ብዝፈጠሮም ርክባትን ብርኪ “ሀ” (“A”-Status) ኣፍልጦ ምርካቡ፤ ከምኡ እውን ኣብዚ ቀረባ እዋን መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ (Network of African Human Rughts Institiutions (NANHRI) ዕለት 27 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ካሜሮን ከተማ ያውንዴ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ፦ ኮሰመኢ መፃኢ ሓፈሻዊ ጉባኤን መበል 16ተ ኮንፈረንስን እቲ መርበብ ንኸዳልው ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ድማ ንቐፃሊ ክልተ ዓመታት ናይቲ መርበብ ምክትል ኣካቢ ኮይኖም ክምረፁ ምኽኣሎምን ብቐዳምነት ዝፅርሑ ዓወታት ምዃኖም እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም እዮም።

ብተመሳሳሊ ድማ ናይ ሓበሬታ፣ ናይ ኮሙኒኬሽንን መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂን ብምዝርጋሕን ስራሕቲ ብቴክኖሎጂ ንኽምርሑ ብምግባር፣ ዲጅታል ስርዓት መቐበልን መተኣናገድን ጥርዓን፤ ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ዝካየደሉ፣ ናይቲ ኮሚሽን ሰነዳት ዝቕመጥሉን ልውውጥ ዝግበረሉን ዲጂታል ዳታቤዝ፤ ንህዝቢ ሓበሬታ ዘብፅሐሉ መርበብ ሓበሬታ (website)፤ ኣብ ሞንጎ ናይቲ ትካል ኣመራርሓ፣ ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን ሓበሬታ ልውውጥ ዝግበረሉ፣ ከምኡ እውን ስራሕቲ ምምሕዳር ሃፍቲ ሰብን ፋይናንስን ብቅልጥፍና ዝስርሑሉ ዲጂታላዊ ኣሰራርሓታት ኣብ ጥቕሚ ምውዓሎም ሓቢሮም እዮም።

ብተወሳኺ ድማ ኮሰመኢ ነፃነት፣ ተኣማኒነትን ዘይሻራዊነትን ብምጥንኻር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝህልዎ ምትሕብባራትን ምሕዝነትን ምጥንኻር፤ ሓደሽቲ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍላይ ሓለዋ ምርግጋፅን ምስፍሕፋሕን፤ ምርግጋፅ ተበፃሕነት እቲ ኮሚሽን፤ ምጥንኻር ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት፤ ከምኡ እውን ስግግር ፍትሒ፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክርን ካልኦት ሃገራዊ ምልዕዓላትን ምድጋፍ ናይ ኮሰመኢ ቀፃሊ ዓውዲታት ትኹረት ምዃኖም ኣመላኺቶም እዮም። ናይቶም ትካላት መብርሂ ስዒቡ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ኮሰመኢ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ዘለዎ ቅዋም ብዝምልከት ንዝተልዓለ ሕቶ ኮሰመኢ ኣብ ምስፍሕፋሕን ሓለዋን ሰብኣዊ መሰላት ጥራሕ ተኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ትካል ምዃኑ ብምብራህ ምስእዚኦም ኣብ ዝተሓሓዙ ዛዕባታት ብሓባር ንምስራሕ ድልው ምዃኑ ገሊጾም እዮም። ይኹን እምበር ነፃነቱን ዘይሻራዊነቱን ኣብ ሓደጋ አብ ዘእትው ዛዕባታት ዝህልዎ ረብሓ ዝተገደበ ምዃኑን ተገሊፁ እዩ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ብወገኖም ኩሎም ትካላት ዳይነትን ዲሞክራሲን ምስ ማዕቐፋት ሕጊ፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብን መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂን ዝምልከቱን ብሓፈሻ ኣብ ትካላዊ ህንፀትን ብዝተፈለየ ትኹረት ሂቦም ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ፤ እዙይ ዕውት ንምግባር ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ኣድላይ ዘበለ ምትሕብባርን ሓገዝን ከምዝገብር ገሊፆም እዮም። እቶም ትካላት ኣብ ሕድሕድ ትካሎም ዝጀመርዎም ናይ ለውጢ ስራሕቲ ብምጥንኻር ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ርኡይ ኣበርክተኦም ኣጠናኺሮም ንኸቕፅሉ እውን እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣተሓሳሲቦም እዮም።

ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ኣይተ ብርሃኑ ኣዴሎ ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ኩሎም ዛዕባታት ብፍላይ ድማ ጉዳያት ዳይነትን ዲሞክራሲን ምስ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኣሳሰሩ ብምዃኖም ኮሰመኢ ትካላዊ ነፃነቱን ዘይሻራዊነቱን ብዝሓለወ መንገዲ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ከምዝሰርሕ ብምግላፅ ኣብቲ ምኽክር ዝተሳተፉ ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት ማእኸል ዝገበሩ ግልጋሎታት ብምሃብ ሰብኣዊ መሰላት ባህሊ ዝኾኑላ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣር ግቡኦም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።