ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ማእኸል ተሃደሶ ኣብ ገበን ዝኾኑ ነገራት ተሳቲፎም ዝተረኸቡ ህፃናት ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ህፃናት ዝምልከት ካብ ዕለት 23 ክሳብ 24 ጥሪ 2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ምይይጥ ኣካይዱ። እቲ ዘተ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ መሰል ህፃናትን ኣተሓሕዛ መሰላትን ዘለዎም ፍልጠት ንምዕባይ ዝዓለመ ኮይኑ፤ ኣብቲ ምይይጥ ካብ ቢሮ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ፎረም ዳያኑ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ደረጃ ፌዴራልን ካብ ማእኸል ተሃድሶ ኣብ ገበን ዝኾኑ ነገራት ተሳትፎም ዝተረኸቡ ህፃናትን ዝተውፃፅኡ ሰብ ሞያን ሓለፍቲን ዝተሳትፍሉ እዩ።


ኣብቲ ዝተሳለጠ ናይ ምይይጥ መድረኽ፟፣ ኮሰመኢ ብዛዕባ ኣብ ጉዳያት ገበን ተሳትፎ ዘለዎም ህፃናት መዕቖቢን ማእኸላት ተሃድሶን ብዘካየዶ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ክትትል ዝተረኸቡ ርካቦታት፣ ብፎረም ዳያኑ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ደረጃ ፌዴራል፣ ክፍሊ ትምህርቲታት ሶሻል ዎርክን ሕጊን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ መሰል ኣተሓሕዛ ህፃናት ዝምልከቱ ዝተዳለው ፅሑፋት ቐሪቦም እዮም። ህፃንነትን (childhood) እንታይነት ዕቤት ህፃናትን፣ ምስ ህፃናት መረዳድኢ መንገድታት፣ ናይ ሞያ ስነ ምግባር፣ ኣተሓሳስባ ትኹረት ዝገበረ ሜላታት ለውጢ ፀባይ፣ ገበንን እንታይነት ገበንንን፣ ናይ ኣመራርሓን ምምኻርን ግልጋሎት፣ ከምኡ እውን ኣብ ገበን ተሳትፎም ዝተረኸቡ ህፃናት ኣተሓሕዛ ዝምልከት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዘለው ተሞክሮታትን ምስ ማእከላት ተሃድሶ ዘለዎም ምትእስሳርን ዘመላኽት ሰፊሕ መብራህርሂ ተዋሂቡ እዩ።



ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ስራሕቶም ኣተኣሳሲሮም ብምስራሕ ኣብቲ ማእኸል ናይ ዘለው ህፃናት ድሕንነት ንምውሓስን ካብ ጥቕዓት ንምክልኻልን፣ ማሕበራዊ ህይወቶም ጥዕንኡ ብዝተሓለወ መንገዲ ንምዕባይ፣ ሓፈሻዊ ዕቤቶምን ሰብኣዊ መሰላቶምን መሰረት ዝገበረ ኣተሓሕዛ ንኽዛይድን ናይቶም ህፃናት ኣተሓሳስባ ብዘላቕነት ንምቕያርን ዝሕግዙ ሞያዊ ኽእለት ካብቲ ግንዛበ መውሃቢ መድረኽ ከምዝረኸቡ ብምግላፅ እዚ ንምትግባር ድማ ዝክኣሎም ኩሉ ከምዝገብሩ ገሊፆም እዮም። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ገበን ዝኾኑ ጉዳያት ተሳቲፎም ዝተረኸቡ ህፃናት ዝምልከት ቅድሚ ቤት ፍርዲ ውሳነ ምሃቡ ሪኢቶ መማህራን ተተሓሒዙ ንቤት ፍርዲ ክቐርብ ከምዝግባእ፣ ብተወሳኺ ድማ እቶም ህፃናት ኣብቲ ትካል ዝነበሮም ናይ ባህሪ ምስትኽኻልን ተሃድሶን ፃንሒቶም ወዲኦም ንኽወፅኡ ትእዛዝ እንትወሃብ ቤተሰብ ብምትእልላሽ ምስ ቤተሰቦም ዝራኸብሉ ጊዜ ኣብ ግምት ንኽኣቱ ብምግባር ድሕንነትን ጥቕምን እቶም ህፃናት ንምውሓስ ከምዝሕግዝ ሓሳቦም ኣካፊሎም።



ሓላፊት ቢሮ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣዲስ ኣብባ ዝኾና ቆንጂት ደበላ፣ ኮሰመኢ ኣብቲ ማእኸል ናይ ዘለው ህፃናት መሰል ንኽሕሎ፤ ኣብቲ ማእኸል ተሃድሶ ግልጋሎት ንዝህቡ ሰራሕተኛታት ግንዛበን ክእለትን ንምዕባይ መድረኻት ክዳለው ከምዘለዎም ምኽረ ሓሳባት ክህብ ምፅንሑ ብምግላፅ ክኢላታትን ወሃብቲ ድጋፍን ሰራሕትኛታት ኣብቲ መውሃቢ ግንዛብ ብዝረኸብዎ ፍልጠትን ኽእለትን ኣብ ቐፃሊ ብመሰረት ክትትል ዝተረኸቡ ጉድለታት ንምስትኽኻልን ሰብኣዊ መሰል እቶም ህፃናት ንምውሓስን ብዝሕግዝ መልክዑ ኣብ ተግባር ንኸውዕሉ ኣተሓሳሲበን እየን።

አብ ኮሰመኢ ናይ ሲቪል፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ኮሚሽነርዝኾኑ ዶ/ር ኣብዲ ጂብሪል ብወገኖም ኮሰመኢ ትኹረት ሂቡ ካብ ዝሰርሓሎም ዓውዲታት ውሽጢ መሰል ህፃናት ምውሓስን ምስፍሕፋሕን ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ገበን ዝኾኑ ጉዳያት ተሳትፎም ዝተረኸቡ ህፃናት ኣተሓሕዛ መሰል መዕቖብን ማእኸላት ተሃድሶን ዝርከቡ ህፃናትንምምሕያሽ ኣብተን ማእኸላት ግልጋሎት ዝህቡ ኩሎም ሰብ ሞያን ወሃብቲ ድጋፍን ሓላፊነቶም ንኽዋፅኡን ቑርፅኛ ኮይኖም ብሓድነት ንኽሰርሑን ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።