ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ኦሞ ብምርባሕ እንስሳ ኣብ ዝመሓደሩ ዝተመረፁ ከባቢታት ኣተገባብራ መሰል ትምህርቲ ብዝምልከት ብዘካየዶ ክትትል ዝተረኸቡ ርካቦታትን ዝተውሃቡ ምኽሪ ሓሳባትን ኣመልኪቱ ብዕለት 23 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ጂንካ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምኽክር ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ ምኽክር ካብ መምርሒ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ኦሞ፣ ካብ ልምዓት መስኖን ከባቢታት ቆላን፣ ምምሕዳር ከተማ ቶርሚ፣ ከምኡ’ውን ካብ ኣብያተ ፅሕፈት ትምህርትን ኣብያተ ትምህርትን ወረዳታት ኛንጋቶም፣ ማሌን ባና ፀማይን ዝተውፃፅኡ ተወከልቲ ተረኺቦም እዮም፡፡


ኣብቲ ምኽክር ኮሰመኢ ብምርባሕ እንስሳ ኣብ ዝመሓደሩ ከባቢታ ኣተገባብራ መሰል ትምህርቲ ብዝምልከት ብዝካየዶ ክትትል ዝተረኸቡ ርካቦታት ቐሪቦም ሰፊሕ ምይይጥ ዝተገበረ እንትኸውን፤ ብዋናነት ኣተገባብራ ብኣህጉራውን ሃገራውን ማዕቐፋት ሕጊ ዝተውሃቡ መሰላት ትምህርቲ ዘተኮረ እዩ፡፡ ኣብቲ ምኽክር ዋላኳ ኣብቲ ከባቢ መሰል ትምህርቲ ንምምሕያሽ ቀፀልቲ ስጉምቲታት እናተወሰዱ እንተኾነ፤ ብርክት ዝበሉ ማሕለኻታት ምህላዎም እውን ተሓቢሩ እዩ፡፡ ካብቶም ዝተጠቐሱ ማሕለኻታት፣ ብምኽንያት ውሑጅን ሓያል ንፋስን ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ዕንወት ምብፅሑ፣ ብፍላይ በዚ ምኽንያት ኣብ ወረዳ ዳሰነች ልዕሊ 20 ኣብያተ ትምህርቲ ምዕናወን፣ ልዑል ፍልሰት መምህራን፣ ትሑት ተሳትፎ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮን ምስቲ ዘሎ ናህሪ ኩነታት ዕዳጋ እንትርአ ንትምህርቲ ዝምደብ በጀት እኹል ዘይምዃንን ካብ ዝተልዓሉ ሓሳባት ይርከብዎም፡፡


ተሳተፍቲ እቲ ምኽክር ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ኣብቶም ከባቢታት መሰል ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብዛዕባ ኣገዳስነት ትምህርቲ ግንዛበ ክዓቢ ምግባር፣ ምዝገባ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ክውስኽ ምግባር፣ ንመምህራን ዕድላት ስልጠና ምምችቻው፣ ከምኡ’ውን ተንቀሳቐስቲን ሓደርቲን ኣብያተ ትምህርቲ (boarding schools (hostels)) ምስፍሕፋሕን ኣስሚረሙሉ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ንኣብያተ ትምህርቲ ዘድልዩ መሰረታዊ እታወታት ንምምላእ እኹል በጀት ምምዳብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቶም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ዳይረክተር ክፍሊ ስራሕ ማሕበራውን ቁጠባውን መሰላት ሃዊ ኣስፋው ብወገነን ኣተገባብራ መሰል ትምህርቲ ብምርባሕ እንስሳ ኣብ ዝመሓደሩ ከባቢታት ዘለው ማሕለኻታት ንምፍታሕ ምስ ነባራዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ዝጠዓዓም ተግባራዊ ምላሽ ምሃብን ዝተዋደደ ፃዕሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢረን እየን፡፡ ብተወሳኺ ድማ መሰል ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እቶም ቀንዲን መሰረታውያንን መዐቀኒታት ዝኾኑ ተበፃሕነት (accessibility)፣ ምርካብ/ህላወ (availability)፣ ተቐባልነት (acceptability) ከምኡ’ውን ምስ ኩነታት ናይ ምልማድ (adaptability) ምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚረናሉ እየን፡፡