ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ካብ ዕለት 2 ክሳብ 3 ለካቲት 2018 ዓ.ም ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳራዊ ፍትሕን (CHRAJ) ሃገረ ጋና ኣብ ከተማ ኣክራ መዘናዊ ልምዲ ልውውጥ ዑደት ኣካይዳ እያ። እቲ ዑደት፣ ኮሰመኢ ካብ ዕለት 27 ክሳብ 29 ጥሪ 2018 ዓ.ም ኣብ ሃገረ ካሜሩን ከተማ ያውንዴ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 ሓፈሻዊን ክልተ-ዓመታዊን ዋዕላ መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ (NANHRI) ድሕሪ ምስታፋ ዝተካየደ እዩ።

እቲ ሓበራዊ መዘናዊ ምይይጥ ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ብርሃኑ ኣዴሎን ላዕለዎት መራሕቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳራዊ ፍትሕን (CHRAJ) ሃገረ ጋናን ዝተሳተፍሉ ኮይኑ፤ ዋና ዓላማኡ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ላዕለዋይ ብርኪ (“A”-status) ዘለወን ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት (NHRIs) ብዛዕባ ምጥንኻር ትካላዊ ምሕደራን ብሉፅ ተግባራዊ ኣሰራርሓታትን ልምዲ ንምልውዋጥ እዩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳራዊ ፍትሕን (CHRAJ) ሃገረ ጋና ብዘለዋ ፅንኩር መዋቕራዊ ኣሰራርሓን ዞባዊ ተሳትፎን፥ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት (NHRIs) ዝጠቕሙ ተሞክሮታት ዘለዋ ትካል እያ።

ኣብቲ ዑደት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳራዊ ፍትሕን (CHRAJ) ንስራሕቲ ኮሰመኢ ጠቓሚ ዝኾኑ ተሞክሮታታ ኣካፊላ እያ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፣ ምክትታል ስራሕቲ ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ 2024 ዝተኻየደ መረፃ ፕሬዝዳንታዊን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ሃገረ ጋና እንታይ ከምዝመስል፣ ስራሕቲ ክለሳ ስትራቴጂክ ትልሚን ምድላዋት ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመትን (ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ 2026-2030) እታ ኮሚሽን፣ ብሪፖርት ዝወሃቡ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ምኽረ-ሓሳባት ንኽትግበሩ ምስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝግበሩ ርክባትን እታ ትካል ናብ ህዝቢ ተበፃሒት ንክትኸውን ዝተሰርሑ ስራሕቲን ብዋናነት ምጥቃስ ይክኣል።

እቲ ዑደት፣ ኮሰመኢን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳራዊ ፍትሕን (CHRAJ) ነናይ ባዕለን (ካብ 2026-2030 ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ዝትግበር) ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራቴጂክ ትልሚ እናከለሳን እናዳለዋን ኣብ ዘለዋሉ፣ ከምኡ እውን ተሰናባቲት ኣቦ-መንበር መርበብ ሃገራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ (NANHRI) ዝኾነት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳራዊ ፍትሕን (CHRAJ) ተረካቢት ምክትል ኣቦ-መንበር እታ መርበብ (NANHRI) ዝኾነት ኮሰመኢን ኣብዝኾናሉ ወቕቲ ዝተገበረ ዑደት ብምዃኑ ኣብ ትኽክለኛ ሰዓት ዝተኻየደን ወሳኒን ብምዃን ንሓባራዊ ምምህሃርን ተሞክሮታት ንምልውዋጥን ጥጡሕ ባይታ ዝፈጠረ ኮይኑ ኣሎ።

ዋና ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ ኣብቲ ዑደት ንዝተገበረሎም ደሚቕ ኣቀባብላን እንግዶትን ምስጋና ዘቕረቡ እንትኸውን፤ እቲ ዝተገበረ ምይይጥ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራዊ ትካላት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት (NHRIs) ዝህልው ርክባት ምሕዘነት ዝያዳ ንምጥንኻርን ኣብ ክልቲአን ሃገራት (ኢትዮጵያን ጋናን) ንሓለዋን ምስፍሕፋሕን ሰብኣዊ መሰላት ጥጡሕ ባይታ ዝፈጠርን ምዃኑ ገሊፆም እዮም።