ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ተበፃሕነትን ፅፈትን ንኣረጋውያን ዝቐርብ ግልጋሎት ሴፍቲኔት ብዝምልከት ብዘካየዶ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝተረኸቡ ርካቦታትን ምኽረ ሓሳባትን ኣመለኪቱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብዕለት 19 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምኽክር መድረኽ ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ክትትል ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ኦሮሚያን ሶማሊን ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፣ ወረዳታትን ጣቢያታትን ዝተኻየደ እዩ፡፡

ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ካብ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ካብ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ሕርሻን፤ እቲ ክትትል ካብ ዝተገበረለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማን ቢሮታት ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን፣ ቢሮ ከተማን መሰረተ ልምዓትን፣ ካብ ማሕበራት ኣረጋውያንን ዝተውፃእፅኡ ስራሕ ሓለፍቲን ካልኦት መዳርግቲ አካላትን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኮሰመኢ ኣብ እዋን ክትትል ዝነፀሮም ዘንፀባርቑ ዕቤታት፣ ዘተሓሳስቡ ጉዳያትን ዝተውሃቡ ምኽረ ሓሳባትን ቀሪቦም ምይይጥ ዝተገበረሎም እንትኸውን መዳርግቲ ኣካላት እውን ግልጋሎት ሴፍቲኔት ንኣረጋውያን ብዝሐሸ መልክዑ ተበፃሒ ንክኸውንን ናይ ኣረጋውያን ማሕበራዊ ድሕንነት ናይ ምርካብ መሰልን ንምርግጋፅ ብትካላቶም እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምቲታትን እናገጠምዎም ዘለው ዕንቅፋታትን ኣቕሪቦም እዮም፡፡

ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ ብኣወንታ ካብ ዝተልዓሉ ዛዕባታት ማእኸል መልመልቲ ኮሚቴታት በቢብርኩ ምስ ዘለው መንግስታዊ ኣካላትን ማህበረሰባዊ መዋቕራትን ዝተውፃእፅኡ ምዃኖም ብዝተወሰነ መልክዑ እውን እነተኾነ ተጠቀምቲ ሴፍቲኔት ዝኾኑ ኣረጋውያን ተጠቀምቲ መድሕን ጥዕና ክኾኑ ምግባሩ ከምኡ እውን ንምፍላይ ኩነታት ኢኮኖሚ ኣረጋዊያን ኣሳታፊን ናይቲ ከባቢ ኩነታት መነባብሮ ኣብ ግምት ዘእተወን ምዃኑ ዝጥቀሱ እዮም፡፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ኣረጋውያን ብዛዕባ እንታይነት ግልጋሎት ሴፍቲኔት፣ ስርዓት ኣተገባብራኡን ከይዲ ኣቀራርባ ጥርዓንን ብዝምልከት ዘለዎም ሓበሬታ ዝተወሰነ ምዃኑ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ብዛዕባ ካብቲ ዝኽፈሎም ክፍሊት ዝቑረፅ ብዝምልከት ሓደ ዓይነት ኣሰራርሓ ዘይምህላዉ፤ ኣብ ምልመላ፣ መረፃን ትግበራን ተጠቀምቲ ሴፍቲኔት ናይ ኣረጋውያን ማሕበራት ተሳትፎ ውሑድ ምዃኑ፤ ናይ ክፍሊት ምዝንጋዕ የጋጥም ምህላዉ፤ ኣብ ማሕበረሰባዊ መዋቕር ትምህርቲ ቀለም ንዘይተምሃሩ ብፍላይ ድማ ንዓይነ ስውራትን ምስማዕ ንዝተስኣኖምን ኣረጋውያን ሓበሬታ ተበፃሒ ዝኾነሉ ኣሰራርሓ ዘይምህላውን ኣብ ማዕቀፋት ግልጋሎት ክትትልን ቁፅፅርን ጎደሎታት ምህላዎንም ተሓቢሩ እዩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ምኽክር ምስ ኣተገባብራ ብዝተሓሓዝ ዝርኣዩ ድኽመታት ንምፍታሕ ርሕቕ ኣብ ዝበሉ ከባቢታት ገጠር ግቡእ ክትትል ንምግባርን ንምድጋፍን ሓይሊ ሰብን ፋይናንስን ምዕባይ፣ ብምኽንያት ጎንፂታታት ክፍሊት ተቛሪፅዎም ዝነበሩ ተጠቀምቲ ኣብ ግምት ዘእተወ መፍትሒ ምሃብ፣ ከምኡ እውን እቲ ፕሮግራም ማሕበረሰብ ዝሓቁፍ ስርዓት መድሕን ጥዕና (Community Based Health Insurance) ብዝተማልአ መልክዑ ንክሓቁፍ ኩነታት ምምችቻው ከምዘድሊ ሓቢሮም እዮም፡፡ ኣብ መጠቃለሊ እቲ ምኽክር መድረኽ ተሳተፍቲ ብመንፅር ዝመፅእሉ ትካልን ዘለዎም ሓላፊነት ስራሕን ኮሰመኢ ዘቕመጦም ምኽረ ሓሳባት ንምፍፃም ዘኽእል መርሃ ግብሪ ክውንነት ኣዳልዮም እዮም፡፡

ኣብ ኮሰመኢ ዳይሬክተር ስራሕ ክፍሊ መሰላት ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ኣይተ ጥበቡ ሃይሉ ግልጋሎት ሴፍቲኔት ናይ ኣረጋውያንን ካልኦት ንኢኮኖሚያዊ ሽግራት ተጋለፅቲ ዝኾኑን ክፋላት ሕብረተሰብ ኩለመዳያዊ ተጋላፃይነት ንምቕናስ ዘኽእል ፕሮግራም ብምዃኑ ተብፃሕነቱን ፅፈቱን ብምዕባይ ናይ ኣረጋውያን ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰላት ንምምላእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቅፅል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ እዋን ክትትል ዝተነፀሩ ጉድለታት መልሲ ንምሃብ ከምኡ እውን ናይ ኮሰመኢ ምኽረ ሓሳባት ተፈፃሚነት ንምርግጋፅ ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ብትሕብብር ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡፡