ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ሚኒስቴር ፍትሒ ብምትሕብባር ብዛዕባ ኣፈፃፅማ ኣህጉራዊ ስምምዕ ምክልኻል ኩሎም ዓይነታት ዓሌታዊ ኣድልዎ (ICERD) ዝምልከት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መበል 17 ክሳብ መበል 25 ዝተዳለወ ዝተዋድደ ረቂቕ ፀብፃብ ኢትዮጵያ ዝምልከት ብዕለት 5 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ምኽክር ኣካይዱ እዩ። እቲ ምኽክር መድረኽ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከይዲ ምድላው እቲ ፀብፃብ ንጡፍ ተሳትፎ ንኽገብሩን ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ICERD ዘለዉዋ ግቡኣት ንምፍፃም ዘርኣየቶም ኣወንታዊ ዕቤታት፣ ዘለው ጉድለታትን ማሕለኻታትን ዝምልከት ርኢቶታቶምን ገምጋሞምን ንከቕርቡ ንምግባር እዩ።

ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ኣባላት ጉጅለ ምድላው እቲ ፀብፃብ (ጉጅለ ሚኒስትራት)፣ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ ሚኒስትራት፣ መንግስታውን ዓለምለካዊን ትካላት ዝተሳተፉ እንትኸውን ዓላማኡ ድማ መስርሕ ምድላው እቲ ፀብፃብ ሓቛፋይ፣ ኣሳታፊ፣ ብምኽሪ ሓሳብ ዝተደገፈን ንክኸውን ንምግባር እዩ። እቶም ተሳተፍቲ ምስቶም ቀንዲ መለለይታት እቲ ውዕልን ኮሚቴ ምክልኻል ዓሌታዊ ኣድልዎ (CERD) ኣብ 2008 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ፈላማይ ፀብፃብ ድሕሪ ምግምጋሙ ኣብ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝሃቦ መደምደምታ ርኢቶ (Concluding Observation) ብዝምልከት ኣፍልጦ ክህልዎም መብርሂ ተዋሂቡ እዩ።

ኣብ እዋን እቲ ምኽክር መድረኽ አብ ዝተኻየዱ ጉጅለኣዊ ዘተታት (FGDs) ተሳተፍቲ ኣብቲ ረቂቕ ፀብፃብ ዘለዎም ርኢቶን ስክፍታን ኣካፊሎም እዮም። ኣባላት ጉጅለ ምድላው እቲ ፀብፃብን (ጉጅለ ሚኒስትራት) ሚኒቴር ፍትሒን እውን ዝተውሃቡ ርኢቶታት ብጥንቃቐ ብምምዝጋብ ንዝዳለው ናይ መወዳእታ ሃገራዊ ፀብፃብ ንምጥንኻር ጠቓሚ እታወት ከምዝረኸቡን ብዝግባእ ከምዝጥቀምሉን ሓቢሮም እዮም።

ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዳይረክተር ዓለምለኸ ትሕብብር ጉዳያት ሕጊ ኣይተ የሱፍ ጀማው መንግስቲ ንዝምልከቶም ናይቲ ውዕሊ ኣካላት (treaty bodies) እዋኑ ዝሓለወ ፀብፃብ ናይ ምቕራብ ግቡእ ከምዘለዎ ብምሕባር መስርሕ ምቕራብ ፀብፃብ ድማ ሓንቲ ሃገር ንዝተወሃባ ግቡኣትት ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ተገዛእነት ንምግምጋም ርኡይ እጃም ከምዝፃወት ገሊፆም እዮም። ብተወሳኺ ድማ እቲ ዝዘንግዐ ካብ መበል 17 ክሳብ መበል 25 ዝቐረበ መንግስታዊ ፀብፃብ ICERD ንምድላው ዝተጠቐሙሉ መስርሕ መብርሂ ዝሃቡ እንትኸውን ኣብ እዋን ምድላው ዘጋጠሙ ብድሆታት እውን ገሊፆም እዮም።

ኣብ ኮሰመኢ ኮሚሽነር ሲቪል፣ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን መሰላት ዝኾኑ ዶ/ር ኣብዲ ጅብሪል ብወገኖም ኣፈፃፅማ ኣህጉራዊ ውዕሊታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም እዋኑ ዝሓለወ ፀብፃብ ምቕራብ ግቡእ ምዃኑ ብምሕባር ኢትዮጵያ ናብ CERD ፀብፃብ ካብ እተቕርብ ነዊሕ እዋን ከምዝገበረት እውን ገሊፆም እዮም። ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን መንግስታዊ ትካላትን ኣብ ምድላው እቲ ሃገራዊ ፀብፃብ ንጡፍ ተሳትፎ ንኽገብሩ ፃውዒት ዝገበሩ ዶ/ር ኣብዲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ድማ ብዛዕባ ኣፈፃፅማ ICERD ዝምልከት ናይ ባዕሎም ዘይሻራዊ ወይ እውን መመላእታ ፀብፃብ ከቕርቡ ከምዝኽእሉ እውን ገሊፆም እዮም።