ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ምስ ቤት ፅሕፈት ላዕላዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ምብራቕ ኣፍሪካ (OHCHR-EARO) ብምትሕብባር ካብ ዕለት 19 ከሳብ 21 ጥሪ 2018 ዓ.ም ኣብ መሰጋገሪ ፍትሒ (TJ) ዘተኮረ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምኽክር ዐውደ-መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም። እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ተወከልቲ ማሕበራት ጉዱኣት (Victims’ Associations) ካብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል-ጉሙዝ፣ ጋምቤላ፣ ሃረሪ፣ ሶማሊ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ትግራይን ከምኡ’ ውን ካብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ዝተሳተፉሉ እዩ።

ናይ’ቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ዋና ዓላማ ቴክንካውን ጎስጓሳውን ዓቕሚ ማሕበራት ጉዱኣት ብምዕባይ ኣብ ስግግር ፍትሒ ዝህልወን ተሳትፎ ክዛይድ ምግባር እዩ፡፡ እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ ኮሰመኢን OHCHR-EAROን ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን ካብ 2023 ጀሚረን ጉዱኣት ኣብ ከይዲ መሰጋገሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽህልዎም ብተኸታታሊ ከካይድኦ ዝፅንሓ ምይይጣት መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ እዩ፡፡ ቕድሚ ሐዚ ዝተኻየዱ መዘናዊ ናይ ምምህሃር መደባት ይኹን ኣብ ከይዲ ዘለው ናይ ተበፃሓይነትን ናይ ምስራፅን መደባት፤ ማሕበራት ጉዱኣት ኣብ ምጥንኻር፣ ሓድነተን ከጠናኽራ ኣብ ምግባርን ኣብ ብዙሓት ክልላት ሓደሽቲ ማሕበራት ክጣየሻ ኣብ ምግባርን ርኡይ ኣበርክቶ ተፃዊተን እየን፡፡

ብክኢላታት ማእኸል ሰለባታት ቶርቸር (CVT) ዝተመርሑ ስራሕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መነባብራዊ ድሕንነት፣ ተግባራት ዓርስኻ ምንክብኻብ፣ ሓበሬታ ዝተመልኦ ምክልኻል ስነ-ልቦናዊ ጭንቀት፣ ከምኡ’ውን ስነ-ልቦናውን ኣካላውን ተፃዋራይነት ጎሰጓስ ጉዱኣትን ካብ ሓደጋ ዝተረፉን ሰባት ኣፍልጦ ምሃብን ዝዓለሙትርጉም ዘለዎ ፅዕንቶ ምፍላጥ ዘተኮሩ ምይይጣት ተኻይዶም እዮም፡፡ ብተወሳኺ እውን እቲ ዓውደ-መፅናዕቲ፣ መሰረታዊ ሓሳባት ምምሕዳር ሓደጋ ድሕንነት፣ ናይ ስግኣት ትንታነን ንዝተፈጠረ ሓደጋ ግብረ-መልሲን ዘተኮሩ ስልጠናታት ዘካተተ ኮይኑ፤ ብፍላይ ድማ ጉዱኣትን ተፃወርትን ኣብ ዘጓንፍዎም ናይ ሓደጋ ተጋላፃይነት ፍሉይ ኣድህቦ ብምሃብ ሰብኣዊ መሰሎም ንክኽበር ብምጉስጓስ ትኹረት ምግባር እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ፕሮግራም ብኔትዎርክ ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምፍጣር ምትእስሳርን ምሕደራን ዝምልከት ናይ ተሞክሮ ልውውጥ ቐሪቡ እዩ፡፡

ኣብቲ ምይይጥ፣ ተሳተፍቲ ብተደጋጋሚ ትኹረት ሂቦም ካብ ዘልዐልዎም ሓሳባት ኣድላይነት ዝተጠናኸረ ቴክንካዊ ድጋፍብፍላይ ስነ ልቦናዊ ጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን ድጋፍ (MHPSS)፣ ሜላታት ድሕንነትን ምትሕብባርን ፍሉይ ትኹረት ተገይርሎም ንኽስራሕ ሓቲቶም እዮም፡፡ ብተወሳኺ እውን ኣብ ሞንጎ ማሕበራት ጉዱኣት ዝህልው ምትሕብባራትን ሓቢርኻ ምስራሕን የጠናኽሩ ኢዮም ዝበልዎም ስትራቴጂያዊ ሓሳባት ኣካፊሎም እዮም፡፡ እቲ ምይይጥ ድምፂ ጉዱኣት ክስማዕ፣ ድሌታቶም ክማልኡን ኣብ ናይ ስግግር ፍትሒ ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ዝኾነ ተሳትፎ ንኽህልዎም ዓላማ ዝገበረን ኣድላይነት ምጥንኻር ናይ ሓባር ዛዕባታትን እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ናይ ምትሕብባርን ሓበራዊ ተሳትፎን ዘበረኸ መድረኽ እዩ፡፡

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዝኾና ወ/ሮ ቃልኪዳን ደረጀ

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዋና ኮሚሽነር ኮሰመኢ ዝኾና ወ/ሮ ቃልኪዳን ደረጀ ኣብቲ መድረኽ ከምዝሓበርኦኮሰመኢ ንማሕበራት ጉዱኣት ቴክንካዊ፣ ስነ ልቦናውን ማሕበራዊን ናይ ጎስጓስ ዓቕመንን ንከጠናኽራ ቐፃልነት ዘለዎ ድጋፍ እናሃበ ምዃኑ ገሊፀን እየን። ምሕደራዊ መስርሕ ብምጥንኻር፣ ፍልጠት ብምክፋልን ተመጋገብቲ ፕሮገራማት ብምጥንኻርን፣ ማሕበራት ጉዱኣት ድምፂ ጉዱኣት ንክጋዋሕን ክስማዕን ኣብ ምግባር፣ ዘጋጥምዎም ተጓንፎታት ኣብ ምፍታሕን ኣብ ስግግር ፍትሒ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ንኽህልዎም ኣብ ምግባርን ዕዙዝ ተራ ክፃወታ ምግባር ከምዝክኣል ኣስምረናሉ እየን፡፡ ብተውሳኺ እውን ከምተን ሓላፊት ገለፃ ከምዙይ ዓይነት ፃዕሪታት ተሓታታይነት ካብ ምስፋንን ትኽኽክለኛ ፍትሒ ክነግስ ካብ ምግባርን ሓሊፉ ዝዓበየ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ከምዘምፅእ ገሊፀን እየን፡፡ ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ድምፂ ጉዱኣት ንኽስማዕን ድሌታቶም ትኹረት ረኺቦም ዋና ዛዕባ ንክኾኑን ኮሰመኢ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ እውን እተን ሓላፊት ኣረጋጊፅን እየን፡፡