ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ)፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ጉዱኣት አካል ኣብ ከይዲ ምቅፃር ስራሕ ንዝገጥምዎም ማሕለኻታት ብምፍታሕ ናይ ጉዱኣት ኣካል ስራሕ መሰል ብዝሓሸ መልክዑ ንክኽበሩ ዓላማ ዝገበረ ናይ ምይይጥ መድረኽ 22 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣካይዱ እዩ። ኣብቲ ምይይጥ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ፣ ናይ’ቲ ክልል ቢሮ ሲቪል ሰርቪስን ሃፍቲ ሰብን፣ ቢሮ ፍትሒ፣ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ቢሮ ስራሕን ክእለትን፣ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ካብ መንግስታውን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ዝመፁ ሓለፍትን ክኢላታትን ተሳትፎም እዮም።

ኣብቲ መድረኽ ብዛዕባ እንታይነት መሰላት ስራሕ ጉዱኣት አካል፣ ናይ መንግስቲ ግቡእን ጉዱኣት ኣካል ኣብ ስራሕን ከይዲ ምቁፃር ስራሕን እናገጠምዎም ዘለው መሰናኽላትን ከምኡ’ውን ምስ መሰል ስራሕ ጉዱኣት ኣካል ዝተተሓሓዙ ናብ ኮሰመኢ ዝቐረቡ ተደጋገምቲ ጥርዓናትን ክውሰዱ ዝግብኦም ኣማራፂ መፍትሒታትን ቀሪቦም ምይይጥ ተገይርሎም እዩ።
ኣብቲ ምይይጥ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ከይዲ ዉድድር ስራሕ ቆፀራ ንኸይሳተፉ ምኽልካል፣ ድሕሪ ምምዝጋቦም ካብ ዉድድር ንክወፅኡ ምግባር ከምኡ’ዉን ካብ ዝተቆፀሩ ንድሓር ሚዛናዊ ቀረብ (reasonable accommodation) ስጉምቲታት ዘይምዉሳድን ብተኸታታሊ ዝቐርቡ ጥርዓናት ምዃኖም ተሓቢሩ እዩ። ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ዝኾኑ ስራሕ ሓለፍቲ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ምደባታት ንክረኽቡ ዘኽእል ዝወፅአ ‘ናይ ብሄራዊ ክልል መንግስቲ ኣምሓራ መምርሒ ስምሪት ስራሕ ጉዱኣት ኣካል ቑፅሪ ኣዋጅ 12/2013’ ዝተገበረ ዳህሳስ ሕጊ (legal review) ንተሳተፍቲ ቀሪቡ እዩ።

እቲ መምርሒ ጉዱኣት ኣካል ምስ ናይ ስራሕ መሰሎም ብዝተሓሓዝ ዘጋጥምዎም ብዙሓት ዓይነት መሰናኽላት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወን ብተግባር እዉን ጉዱኣት ኣካል ተጠቀምቲ ንክኾኑ እናገበረ ምህላዉን ብኣወንታ ተላዒሉ እዩ። ብካልእ መልክዑ ድማ ዝተወሰኑ ናይቲ መምርሒ ድንጋገታት መሰላት ጉዱኣት ኣካል ክፀብቡ ንምግባር ዝተጋለፁ ምዃኖም፣ እቲ መምርሒ ንዝተወሰኑ ዓይነታት ጉድኣት ኣካል ጥራሕ ትኹረት ምሃቡን ምስ ዓለምለኸ ስምምዓት መሰላት ጉዱኣት ኣካል ክነፃፀር ከሎ ዘየካተቶም ዓይነታት ጉድኣት ምህላዎምን ከምኡ’ዉን ጉዱኣት ኣካል ዝሰርሕዎምን ዘይሰርሕዎምን ዓውዲታት ስራሕ ናይ ምፍላይን ናይ ምውሳንን መዝነት ነቲ ቆፃራይ ትካልን በቢብርኩ ንዝርከቡ ዳይረክተራት ኣመራርሓ ስራሕ/ ጉጅለታት ሃፍቲ ሰብ ዝሃበ ምዃኑ ስምረት ንከይህልዎን እቶም መሰላት ክፅብቡ ንዝገብሩ ኣፈፃፅማታት ተጋላፃይ ምዃኑን ብጉድለት ተላዒሉ እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብቲ መምርሒ ዝተቐመጠ ን“ጉድኣት ኣካል” ዝገልፅ ትርጉም ንዘይተጠቐሱ ዓይነታት ጉድኣት ግልፂ ብዝኾነ መልክዑ ብምውሳኽ ምውሓስ መሰል ብዘየማትእ መንገዲ ምርግጋፅ፣ ካልኦት ሕጊታትን ዓለምለኸ ዉዕላትን መበገሲ ብምግባር መፅናዕቲ ብምክያድ ጉዱኣት አካል ዝሳተፉሎምን ዘይሳተፉሎምን ዓውዲታት ስራሕን ዓይነታት ጉድኣትን ብግልፂ ምፍላይ፣ ብዛዕባ ኣፈፃፅማ እቲ መምርሒ ብዝምልከት ጥንኩር ናይ ተሓታትነት ስርዓት ምዝርጋሕን ኣድላይነት ምድላው ምዕባይ ግንዛበ መድረኻትን ኣብቲ መድረኽ ተጠቒሶም እዮም።

ኣብ ኮሰመኢ ዳይሬክተር ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ዝኾኑ ኣይተ ጥበቡ ሃይሉመሰል ስራሕ ጉዱኣት ኣካል ንክኽበር ፅኑዕ ናይ ሕጊ ማዕቀፍ ዘድሊ ብምዃኑ ቢሮ ሲቪል ሰርቪስን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን እቲ ክልል ዘዳለዎ መምርሒ ስራሕ ስምሪት ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊፆም እዮም። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ መምርሒ ዝተለዓሉ ንጥቢታት ኣብ ግምት ብምእታውን መፅናዕቲታት ብምውሳኽን እቲ መምርሒ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ብዝያዳ ብዘረጋግፅ መልክዕ ዝመሓየሸሉ መንገዲ ንኸመቻችዉ ኣትሓሳሲቦም እዮም። ብተወሳኺ ድማ እቶም ዳይሬክተር ኮሰመኢ ናይ ክልል ኣምሓራ ተሞክሮ ብምዉሳድ መሰላት ጉዱኣት ኣካል ንምርግጋፅ ዘኽእሉ መሰል ማዕቀፋት ሕጊ ኣብ ካልኦት ክልላት እውን ንኽስፋሕፋሕ ናይ ጎስጓስ ስራሕቲ ኣጠናኽሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም እዮም።